Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኩለን ባንኪታት ዓማዊል ክሰብ 6 ግንቦት ቁፅሪ ሒሳብ ባንኮም ምስ ፋይዳ ንኸተኣሳስሩ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ናይ ኩለን ብንኪታት ዓማዊል ክሳብ 6 ግንቦት 2018 ዓ.ም ቁፅሪ ሒሳብ ባንኮም ምስ ፋይዳ ንኸተኣሳስሩ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ።

ብሄራዊ ባንኪ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፤ ኣብ ትካላት ፋይናንስ ዝረአ ክፍተት መረጋገፂ መንነት ንምምላእ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ከም ቀዳማይ መለለዪ መንነት ናይ ምጥቃም ትግበራ ከምዝጀመረ ኣዘኻኺሩ፡፡

ነባር ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪታት ምስ ፋይዳ ናይ ምትእስሳር ስራሕ ካብ 15 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ባንኪታት ተግባራዊ እናተገበረ ምፅንሑ ፀሪሑ፡፡

እዚ ኣብ ፍቓድ ዝተመስረተ ናይ ምትእስሳር ስራሕ ክሳብ 30 መጋቢት 2018 ዓ.ም ብልዑል ርብርብ ይወገን እምበር፤ ብመንፅር ሓፈሻዊ ሒሳብ ባንኪ እንትረአ ኣፈፃፅምኡ ትሑት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ብሄራዊ መለለዪ መንነት ምስ ፋይዳ ንምትእስሳር ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ዕላዊ ከምዝተገበሩ ነቲ ምዝገባ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ ዝበለ እቲ ባንኪ፤ ዓማዊል ክሳብ 6 ግንቦት 2018 ዓ.ም ቁፅሪ ሒሳብ ባንኮም ምስ ፋይዳ ንኸተኣሳስሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ ዝተቐመጠ እዋን ኣብ ከተማታት ሃረር፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ምምሕዳር ድሬዳዋ፣ ባህርዳር፣ ጎንደር፣ ደሴ፣ ደብረብርሃን፣ ኮምቦልቻ፣ ሃዋሳ፣ ኣርባ ምንጭ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ሆሳእና፣ ወልቂጤ፣ ሸገር፣ ጅማ፣ ኣዳማ፣ ሻሸመኔ፣ ቢሾፍቱ፣ ባቱ፣ ኣምቦ፣ መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራት፣ ጋምቤላን ኣሶሳን ዝርከቡ ዓማዊል ቁፅሪ ሒሳብ ባንኮም ምስ ፋይዳ ከተኣሳስሩ ኣለዎም ኢሉ።

ኣብ ዝተረፉ ክፋላት እታ ሃገር ዝርከቡ ዓማዊል ድማ ክሳብ 30 ሰነ 2018 ዓ.ም ክዛዝሙ ኣለዎም ኢሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.