ቤት ምኽሪ ብሪታንያ ሓድሽ ወለዶ ካብ ትምባኾ ዝዕቕብ ሕጊ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ብሪታንያ ሓድሽ ወለዶ ሽጋራ ምግዛእ ዝኽልክል ካብ ትንባኾ ነፃ ወለዶ ሕጊ ደንቢ ኣፅዲቑ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ብባይቶ እታ ሃገር ዝፀደቐ ሕጊ ድሕሪ 2008 ዓ.ም.ፈ ዝተወልዱ ብሪታንያውያን ሽጋራን ካልእ ፍርያት ትምባኾን ከይዕድጉ ዝኽልክል ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
እቲ እገዳ ምስቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተወሰደ ስጉምትታት ፀረ ሽጋራ እንትነፃፀር ኣብ ዓለም ጥንክር ዝበለ ሕጊ ምዃኑ ይግለፅ።
እቲ ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ወግዓዊ ፍቓድ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ጥራይ ትፅቢት ይግበር ከምዘሎ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ካብ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ጀሚሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን ክትግበር ምዃኑ ተገሊፁ።
ብኣመለወርቅ ደምሰው