Fana: At a Speed of Life!

መጠን ቀረብ ነዳዲ ናፍጣ ቅድሚ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መጠን ቀረብ ነዳዲ ናፍጣ ቅድሚ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ተወሲኑ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ምንቅስቓስ ፍርያትን ትራንስፖርትን ብምርኣይ ቀረብ ናፍጣ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ መንግስቲ ወሲኑ ኢሎም።

ብምኽንያት እቲ ኲናት ቀረብ ናፍጣ ብፍርቂ ነክዩ ከምዝነበረ ብምሕባር፥ በዚ ድማ ኣብ መዓልቲ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሊትር ክቐርብ እናተገበረ ነይሩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ቅድሚ ኲናት ይቐርብ ዝነበረ ኣብ መዓልቲ 9 ሚሊየን ሊትሮ ናፍጣ ክኣቱ ተወሲኑ ክብሉ ሓቢሮም።

ነዚ ድማ መንግስቲ ተወሳኺ 20 ቢሊየን ብር ብወርሒ ንነዳዲ ድጎማ ከምዝገብር ኣገንዚቦም።

እቲ ናፍጣ ካብ ጅቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ሓፈሻዊ ድጎማ ነዳዲ ካብ 300 ቢሊየን ብር ከምዝሓለፈ ሓቢሮም።

ቤንዚንን ናይ ኣውሮላን ነዳዲን ቅድሚ ኲናት ብዝነበሮ መጠን እናቐረበ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ንኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንክልላት ድማ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናፍጣ ካብ ጅቡቲ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ከምዝውገን እውን እቶም ሚኒስትር ኣፅንኦት ሂቦም።

ብዙፋን ካሳሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.