Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ሕብረተሰብ ነዳዲ ካብ ምቑጣብ ሓሊፉ ኮንትሮባንድ ኣብ ምቅላስ ዜግነታዊ ብፅሒቱ ክዋፃእ ይግባእ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዕዞ ሉኣላዊነት ሓይሊ ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘድሐነና ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ነዳዲ ካብ ምቑጣብ ሓሊፉ ኮንትሮባንድ ኣብ ምቅላስ ዜግነታዊ ብፅሒቱ ክዋፃእ ይግባእ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ።

እቲ ኣገልግሎት ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ካብ ቅልውላው ብዝሓለፈ ምስጋር
ብምኽንያት ኲናት ማእኻላይ ምብራቕን ምዕፃው ወሽመጥ ሆርሙዝን ዓለም ለኸ ቀረብ ነዳዲ ተቛሪፁ፣ ናይ ብዙሓት ሃገራት መከፋፈሊ ነዳዲታት እናተዓፀዉን ማሕበራዊ ቅልውላዋት እናተጋደዱን ይርከቡ። ኢትዮጵያ ብዝተወሰነ ደረጃ እውን እንተኾነ እዚ ከቢድ ፈተና ክትፃወሮ ዝኸኣለት መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ኣብ (ማይ፣ ንፋስ፣ ፀሓይን ጂኦተርማልን) ብዝወገኖም ዓበይቲ ስትራቴጂያዊ ፕሮጀክታት ኢዩ።
ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ሓይሊን ጎስጓስ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲን (EV) ሎሚ ውሕስና ህልውናና ኮይኖም ኣለዉ። እዞም መሰረተ-ልምዓታት መንግስቲ ኣቐዲሙ ምድላው እንተዘይገብረሎም እንተዘይገብር ነይሩ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ምሽምድማድ ኢኮኖሚን ናህሪ ዋጋን ክትወድቕ ነይራ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ንህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ክውዕል ዝነበረ በጀት ዓለም ነኸ ፅዕንቶ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከይብርትዕ ብዝብል ብቢሊየን ዝቑፀር ድጎማ ነዳዲ እናገበረ ይርከብ። ይኹን እምበር እዚ ድጎማ ንኮንትሮባንድን ፀሊም ዕዳጋን ክውዕል ኣይፈቅድን። ኮንትሮባንድ ነዳዲ ምክልኻል ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ናይ ምኽባር ጉዳይ ስለዝኾነ መንግስቲ ምስ ኣካላት ፀፅታን ሕብረተሰብን ብምዃን ዘየዳግም ስጉምቲ ምውሳዱ ክቕፅል ኢዩ።
ብሓፈሻ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ሉኣላዊነት ሓይሊ ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘድሐነና ስለዝኾነ ኽብረተሰብ ነዳዲ ካብ ምቑጣብ ሓሊፉ ኮንትሮባንድ ኣብ ምክልኽል ዜግነታዊ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.