ኣራዳ ፓርክ ናይ ነበርቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዘቐደመ ፕሮጀክት ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲኣራዳ ፓርክ ምስሊ ፒያሳ ዝቐየረን ናይ ነበርቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዘቐደመ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ትማሊ ምሸት ሓዱሽ ኣራዳ ፓርክ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ተገይሩ ኢዩ።
እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበረኦ መደረ ከምዝበለኦ፥ እቲ ፕሮጀክት መልክዕ እታ ከተማ ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ንዝበናት ተረሲዖም ዝነበሩ ዜጋታት ሰብኣዊ ክብሪ ዝመለሰ ኢዩ።
እዚ ስራሕ ቅድሚ ምውጋኑ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ዝነበረ ኩነታት ኣሰር ኢትዮጵያውያን ዘይገልፅ፣ ዝኸፍአ ድኽነት ዝረኣየሉ፣ ነበርቲ ብስእነት መናፅሂ፣ ፀበብቲን ዘይምችዉን ኣባይቲ ንጉስቁል ህይወት ተቓሊዖመ ዝፀንሑሉ ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን።
ብፍላይ ኣብ ወሰን ሩባ ዝነበረ ብኽለት ንነበርቲ ጠንቂ ጥዕና ካብ ምዃን ሓሊፉ ምስሊ እታ ከተማ ዘበላሹን መግለፂ ገበንን ኮይኑ ከምዝነበረ ብምሕባር፥ እቲ ልምዓት ናይ ነበርቲ ሰብኣዊ ክብሪ ንምምላስ ዝተወገነ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ዋና መበገሲ እቲ ልምዓት ሰብ ከምዝኾነ ብምሕባር መንግስቲ ንነበርቲ ቅድሚት ብመሃብ፣ ኣብ ላፍቶ 2 ሺሕን ኣካባቢ ንኽብሪ ወዲ ሰብ ዝምጥኑ መንበሪ ኣባይቲ ሃኒፁ ከምዘረከበ ሓቢረን።
ህፀት ኣራዳ ፓርክ እውን ንማንም ብተናፀል ዘይኮነስ ንህዝቢ ሓበራዊ ረብሓ ተሓሲቡ ዝተሰርሕ ኣረጋውያን፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ህፃናትን ዘካተተ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ከምዝህብ ኣብሪሀን።
ብዮናስ ጌትነት