ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርላማ ፓን ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርላማ ፓን ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፆም።
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ዶ/ር ኣሸብር፤ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርላማ ፓን ኣፍሪካ ብምዃን ከምዝተመፁ ሓበሬታ እቲ ቤት ምኽሪ ኣመልኪቱ።
እቲ ባይቶ ብምምራፅ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ዝተሰመዖ ሓጎስ ብምግላፅ ሰናይ ዘበን ስራሕ ንኽኾነሎ ተመኒዩ።