ማንቼስተር ዩናይትድ ንሊቨርፑል ብምስዓር ተሳትፎ ሻምፒየንስ ሊግ ኣረጋጊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 35ን ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ንሊቨርፑል 3 ን 2 ስዒራ፡፡
ካብ ሰዓት 11፡30 ጀሚሩ ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ማቲያስ ኩኛ፣ ቤንያሚን ሼሽኮን ኮቢ ማይኖን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ንሊቨርፑል ክብ ስዕረት ዘየድሐና ሸቶታት ድማ ዶሚኒክ ሶቦዝላይን ኮዲ ጋክፖን ኣመዝጊቦምወን፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ዝቕፀል ዓመተ ውድድር ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ተሳታፊት ምዃና ኣረጋጊፃ፡፡
ኣቐዲሙ ኣብ ዝተገበረ ካሊእ መርሃ ግብሪ ፀወታ ቦርንማውዝ ንክሪስታል ፓላስ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅት ስዒራ፡፡