Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሎሚ ሓርበኝነት ሃገር ካብ ድኽነትን ድሕረትን ምንጋፍ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ናይ ሎሚ ሓርበኝነት ሃገር ካብ ድኽነት፣ ድሕረትን ተፀባይነትን ምንጋፍ እዩ ኢለን፡፡
እተን ከንቲባ ብምኽንያት መበል 85 መዓልቲ ሓርበኛታት ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ኣብ መልእኽተን እቲ ዕለት ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀ ስላሴ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ፣ ፕሬዚዳንት ማሕበር ጥንታውያን ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ዳኒኤል ጆቴ መስፍንን ጀጋኑ ሓርበኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ከምዝኽበረ ገሊፀን።
ኣቦታትናን ኣዴታትናን ከይፈርሑ ሂወቶም ብምሃብ፣ ሎሚ ብነፃነት ኣብ ቕድሚ ህዝብታት ብኹርዓት ኢትዮጵያ ኢልና እንፅውዓ ልዑላዊት ሃገር ዓቂቦም ኣፅኒሖምልና ኢለን።
ናይ ቀደም ሓርበኛታት ሃገር ካብ ወረርቲ ንምድሓን ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ናይ ሎሚ ሓርበኝነት ካብ ድኽነትን ድሕረትን ጭቆናን ምንጋፍ እዩ ኢለን፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.