ኣብ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ግደ ጅግንነት ዝተዋፅኡ ሓርበኛታትና ብምዝካር ንዝክሮም ኣለና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ግደ ጅግንነት ዝተዋፅኡ ሓርበኛታትና ብምዝካር ንዝክሮም ኣለና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላፈኦ መልእኽቲ÷ ሃገር ንጠቢባን ህያው ስራሕቶም ምስክር ሓወልቲ ትተክል ኢለን።
ሃገር ኣብ ስራሕቲ ልምዓት፣ ዶብ ኣብ ምክልኻል፣ ሰንደቕ ዕላማን ብሕጊን ጥራሕ ኣይትህነፅን ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ሃገር እትህነፅ ኣብ ሓበራዊ ዝኽሪ ህዝቢ፣ ኣብ ሓበራዊ ስምዒትን ዓበይቲ ውፅኢታት ጥበብን እውን ከምዝኾነ ኣመልኪተን።
እዚ ሓቂ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝቖሙ ሓወልቲታተ ዓበይቲ ጠቢባን ሰብ ውዕለታ ሃገር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጋህዲ ገይርና ክብላ ኣብሪሀን።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ውሽጢ ልምዓት ኮሪደርን ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ንጥበብ ማእኸል ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።