ተረባሕነትን ቁልፊ ውሳነ ወሃባይነትን ደቂ ኣንስትዮ ንኽረጋገፅ ሰሪሕና ተሳኺዑልና ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ተረባሕነትን ቁልፊ ውሳነ ወሃባይነትን ደቂ ኣንስትዮ ንኽረጋገፅ ሰሪሕና ተሳኺዑልና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ እንኳዕ ንዓዓለም ለኸ መዓልቲ ኣዴታት ኣብፀሐክን ኢለን።
ደቂ ኣንስትዮ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣንጊህኽን ውቁብ ጎደና ቸርችል ብምምላእ ንዝሃብክናና ድጋፍ ነመስግን ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣዴታት መላእ ደቂ ኣንስትዮ ከተማና ዝተሳተፋሉ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕላማን ሸቶን ፓርቲ ብልፅግና ዝድግፍ፣ ዓብዪ ሰልፊ ድጋፍ ብዝደመቐ ኩነታት ተኻይዱ ኢለን።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ብዝኣተናዮ ቃል መሰረት ተረባሕነትን ቁልፊ ውሳነ ወሃባይነትን ደቂ ኣንስትዮ ንኽረጋገፅ ሰሪሕና ተሳኺዑልና ኢዩ እውን ኢለን።
ፅዕንቶ ኣዴታት ንምንካይ ደቅኽን ብዘይምንም ሓሳብ ኩሉ ነገር ተማሊኡሎም ንኽመሃሩ ምምሕዳር ከተማና ኣዚዩ ውፅኢታዊ ስራሕ ሰሪሑ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ከተማና ካብ ዘቕረብናዮም ሕፁያት 54 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች÷ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ልዕሊ 40 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝኾና ቅድኒ ሕዚ ዝነበረ ተሳትፎ ብዝበለፀ ክቕፅል ከምዝተገበረ ኣብሪሀን።
እዚ ድማ ንዓጃቢነት ዘይኮነስ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዘይትካእ ምዃኑ ብምእማን ኢዩ ክብላ ኣገንዚበን።