Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናሩ ክቕፅል ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናሩ ክቕፅል ኢዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራኒዮ ብልዕሊ 3 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኦሲስ ሎሚ መዓልቲ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣዲስ ኣበባ መብፅሒት ቱሪዝም ጥዕና ክትከውን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዘፈር ውልቀ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።

ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ሆስፒታል እውን ንነበርቲ፣ ብሪፈር ንዝመፅኡን ናብታ ከተማ ንዝመፅኡ ዓለም ለኸ ክፋላት ማሕበረሰብን ዘበናዊ ኣገልግሎት ብመሃብ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ኢዩ ኢለን።

ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ኩሉ ከባቢ ተበፃሒ ንምግባር ኢድ ንኢድ ተተሐሒዝና ክንሰርሕ ይግባእ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።

ብቅድስት ኣባተ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.