Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ንኣፍሪካ 23 ቢሊየን ዩሮ ኢንቨስትመን ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ተግባራዊ ዝኾን 23 ቢሊየን ዩሮ ኢንቨስትመንት ዕላዊ ገይሮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ልዕሊ 30 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተሳተፍዎ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ፓኬጅ ኢንቨስትመንት እዩ ዕላዊ ዝገበሩ፡፡
እቲ ፓኬጅ ኢንቨስትመንት ኣብ ዓውድታት ኢነርጂ፣ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ዲጂታል ቴክኖሎጅን፣ ባሕርን ሎጂስቲክስን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ፡፡
እዚ ኢንቨስትመንት ፓኬጅ ኣብ ኣፍሪካ 250 ሽሕ ቀጥታዊ ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ፡፡
ፕሬዚዳንት ማክሮን ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ እዚ በፂሕና ዘለና ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስት ንምግባር ጥራይ ዘይኮነስ ሰብ ሃፍቲ ኣፍሪካ ኣብ ፈረንሳ ኢንቨስት ክገብሩ ዕድላት ንምፍጣር እዩ ኢሎም።
ብሚኪያስ ኣየለ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.