ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኢንዱስትሪ ልምዓትን ስግግር ሓይሊን መሪሕ ግደ ክትቕፅል እያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኢንዱስትሪን ምስግጋር ሓይሊን ዝጀመረቶ ስራሕ ብምጥንኻር መሪሕ ግደ ክትፃወት እያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ፍርዋርድ ኣፍሪካ ተመኩሮ ኢትዮጵያ ኣቕሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ብፕሬዝዳንት ዊሊያም ሩቶን ብፕሬዝዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ሓበራዊ ዘሰናዳእዎ ጉባኤ ተመኩሮ ኢትዮጵያ ኣካፊለ ኢሎም።
ብፍላይ ኣብ ሓምለዋይ ኢንዱስትሪ ልምዓትን ስግግር ሓይሊን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ካብ ተመኩሮና ዝተወሰዱ ሓሳባት ከምዝተልዓሉ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ክልቲኡ ዘፈር ዝጀመረቶ ስራሕ ብምጥንኻር መሪሕ ግዲኣ ክትፃወት ምዃና ኣረጋጊፆም።