ህንፀት ትካላት ንልዕልና ሃገር…
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓንቲ ሃገር ጥንክርቲን ተታታሊ ዝኾነ ዕቤትን ክተመዝግብ ትኽእል ጥንኩራት ትካላት እንትህልዉ ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ።
በዚ ድማ ትካላት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዓምዲ ብምዃን ማዕርነትን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ዜጋታት ኣብ ምርግጋፅ ዕዙዝ ግደ ይፃወቱ።
ብፍላይ ሪፎርም ትካላት ፀፅታን ዴሞክራሲን መዚ ዓብዪ ግደ ዘለዎም እንትኾኑ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ንደሓር ነቲ ዓውዲ ትኹረት ብመሃብ ስራሕቲ ሪፎርም ተወጊኖም።
በዚ ድማ ኢትዮጵያ ተሓፊራን ተኸቢራን ንኽትነብር ዘኽእል መሰረት ምንባር ተኻኢሉ።
እተን ትካላት ኣብ ኣመራርሓን ሓይሊ ሰብን ዝተጠናኸሩ፣ ዓቕሞም ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ፣ ብድሕንነት መሰረታዊን ጥንኩር ክእለትነ ዝደንፍዓን ኣብ ዴሞክራሲያዊ መሰረት ዝተሃነፃን ናፃ፣ ዘይሻራዊን ብቕዓት ዘለወን ንኽኾና ሰፊሕ ስራሕ ተወጊኖም ኢዮም።
ብውፅኢቱ ድማ ንረብሓ ሃገርን ህዝቢን ጠጠው ዝበሉ፣ ውግንነኦም ንሕጊ ጥራሕ ዝኾኑ፣ ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፍፁም ክፉእ ከየሓስቡ ዝገብሩ፣ ንሃገር ጋሻን ፅላልን ዝኾኑ ትካላት ተሃኒፆም ኢዮም።
ኣብ ዝተወገኑ ስራሕቲ ሪፎርም ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ስግኣታት ካብ ምምካት ብተወሳኺ ቀዲሙ ፀገማት ብምፍላይን ዝንባለታት ብምትንታንን ሃንደባዊ ዝበሃሉ ናይ ድሕንነትን ፀፅታን ክፍተታት ምትራፍ እናተኽኣለ ይርከብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ሰራዊት ምክልኻል ሓዊሱ ኣብ ትካላር ፀፅታን ድሕንነትን ብዝተገበረ ሪፎርም ውትድርና ጀጋኑ ዝመርፁዎ ንሉኣላዊ ሓድነት ሃገር ዋጋ ዝኽፈለሉ ዝተኸበረ ሞያ ክኸውን ክኢሉ።
በዚ ድማ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘበናዊ ዕጥቂ ብምምላእ ተቓላዕነት ሃገር ከትርፍ ዝኽእል ዘተኣማምን ሓይሊ ምግባር ተኻኢሉ።
ብኣድማሱ ኣራጋው