Fana: At a Speed of Life!

ሰዓት ከይዲ መሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተናዊሑ

ከይዲ መሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ታራ ሒዞም ዝፀንሑ መረፅቲ ክሳብ ዝመርፁ ክቕፅል ኢዩ – ቦርድ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከይዲ መሃብ ድምፂ ቅድሚ ሰዓት 12 ሰልፊ ሒዞም ዝፀንሑ መረፅቲ ክሳብ ዝመርፁ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ወጋሕታ ሰዓት 12 ጀሚሩ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ህዝቢ ብእርይ ቁፅር ብምውፃእ ድምፁ እናሃበ ይርከብ፡፡

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብ ከይዲ ምፍፃም ምሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ቦርድ ድምፂ ናይ ምሃብ ከይዲ ክሳብ ሰዓት 12 ኣብ ታራ ዝነበረ ድምፂ ዝህብ ሰብ ድምፂ ሂቡ ክሳብ ዝውድእ ድምፂ ናይ ምሃብ ከይዲ ከምዝቕፅ ኣፍሊጡ።

ኣዋጅ 1162/2011 ዓንቀፅ 49 (4) መሰረት ብምግባር እቲ ቦርድ ብፍሉይ ኩነታት ሰዓት መውሀቢ ድምፂ ከናውሕ ከምዝኽእል ይድንግግ።

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.