Fana: At a Speed of Life!

ተዓዘብቲ ኣብ ዘዋፈርናሎም ጣቢያታት መረፃ 99 ሚኢታዊ ብዘይገደብ መረፃ ተዓዚቦም – ሕብረት ንመረፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ንመረፃ ተዓዘብቲ  99 ሚኢታዊ ብዘይምንም ገደብ ናብ ጣቢያታት መውሀቢ ድምፂ ኣቲዮም ክዕዘቡ ከምዝኸኣሉ ሓቢሩ።

ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ንመረፃ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ክሳብ ሰዓት 7 ዘለዉ ኩነታት ትዕዝብቲ ጥራሕ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዕላዊ ገይሩ።

ሕብረት ንመረፃ ኣብ መግለፂኡ፤ ነቲ መረፃ 2 ሺሕን 258 ተቐመጥቲን 891 ተንቀሳቐስቲን ብሓፈሻ 3 ሺኽን 149 ተዓዘብቲ ካብ ወጋሕታ 11:30 ጀሚሮም ኣብ 2 ሺሕን 258 ጣቢያታት መውሀቢ ድምፂ ኣዋፊሩ እናተዓዘበ ከምዝኾነ ገሊፁ።

በዚ ድማ ሕድሕድ ተዓዛቢ ብውሑዱ 6 ጣቢያታት ንኽዕዘብ ከምዝተዋፈሩን ተዓዘብቲ 99 ሚኢታዊ ብዘይ ምንም ገደብ ናብ መውሀቢ ድምፂ ኣቲዮም ከምዝተዓዘቡ ኣፍሊጡ።

ተዓዘብቲ ካብ ሞንጎ ዝተዋፈሩሎም 2 ሺሕን 258 ጣቢያታት 2 ሺሕን 183 ጣቢያታ መረፃ ወይ እውን 97 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተዓዘብቲ እቲ ሕብረት ኣብቲ ቦታ እንትበፅሑ ኣፈፀምቲ መረፃ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበሩ ኣብሪሁ።

ብኻሊእ መዳይ 32 (1 ሚኢታዊ) ጣቢያታት ከይዲ ምሃብ ድምፂ ድሕሪ ሰዓት 1 ከምዝመረን ኣብ 3 ጣቢያታት ክሳብ መግለፂ ዝተውሃበሉ ሰዓት ከምዘይተጀመረን ምዕዛቡ ኣብሪሁ።

ምስ ከይዲ መኽፈቲን ምድላውን ዝተተሓሓዙ 203 ዘተሓሳስቡ ኩነታት ከምዝተቐበለ ብምግላፅ፤ ካብ ሞኖጎ እዚኣቶም 40 ዝኾኑ ተረጋጊፆም ኢዮም ኢሉ።

ዝተረፉ 163 ጉዳያት ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ሕብረት ብዘውፀኦ ቀዳማይ ደረጃ ሪፖርት ዕላዊ ከምዝገብር ኣመልኪቱ።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.