ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዜግነታዊ መሰሉ ብምጥቃም ድምፁ ይህብ ኣሎ – መራሒት ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ስፔሲዮዛ ዋንዲራ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊያን መሰሎም ብምጥቃም ብፅቡቕ ኩነታት ድምፆም ይህቡ ኣለዉ ኢለን መራሒት ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ በዓል መዚ በየነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ ኢጋድ ስፔሲዮዛ ዋንዲራ (ዶ/ር)፡፡
መራሒት ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ስፔሲዮዛ ዋንዲራ (ዶ/ር) ከምዝበለኦ÷ እቲ ከይዲ መረፃ ብዝተዋደደ መገዲ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ካብ መውሀቢ ድምፂ ለት ኣቐዲሙ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ዝምልከቶም ዝተፈላለዩ ትካላት ከምዝተዛተያ እውን ኣዘኻኺረን፡፡
ኣብ ሕድሕድ ጣቢያ መረፃ ዜጋታት ድምፂ እናሃቡ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ነፍሰ ጡር ኣዴታት፣ ደቀን ዝሓዛ ኣዴታት፣ መናእሰይን ሽማግለታትን እንተይተረፈ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ድምፂ እናሃቡ ይርከቡ ኢለን፡፡
ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም እንተይተረፈ ከይዲ መረፃ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ እናካየደት ከምዝኾነት ገሊፀን፡፡
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝተርኣየሉ ኢዩ ክብላ እውን ኣብሪሀን፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision