Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ዳግማይ ምሉእ ብምሉእ ዓፅያቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ቴህራን መፃብቦ ሆርሙዝ መሊሳ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓፀወቶ ኣፍሊጣ።
በዚ መሰረት ሰራዊት ኢራን መፃብቦ ሆርሙዝ ሙሉእ ብሙሉእ ክዕፆ ወሲኑ ምንቅስቓስ መራኽብ ነዳዲን ንግዳዊ መራኽብን ደው ክብል ትእዛዝ ሂቡ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሰራዊት ኢራን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓይልታት ኣሜሪካ ዓፀፈዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ሰራዊት ኢራን ኣብ ኩዌት፣ ባሕሬንን ዮርዳኖስን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ካምፕታት ዒላማ ከምዝገበረ ተገሊፁ።
ማእከላይ ትእዛዝ ኣሜሪካ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢራን ንዝርከቡ ብዙሓት ዒላማታት መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ እንትኾን፤ እቲ መጥቃዕቲ ንርእሰ ምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፁ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.