Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ነበር ህወሓትን ስድራቤቶምን እገዳ ቪዛ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ኣኽረርቲ ነበር ህወሓት ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን እገዳ ቪዛ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።
ቤት ፅሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ÷ እቲ እገዳ ቪዛ ዝተነበረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ተሳታፊ እዮም ብዝተብሃሉ ኣኽረርቲ ኣባላት ነበር ህወሓትን ቤተሰቦምን ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ።
በዙይ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብበዓል መዚ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ብዝተዋህቦ ስልጣን መሰረት ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ኣኽረርቲ ነበር ህወሓት ነበርን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን እገዳ ቪዛ ኣንቢሮም።
እቲ እገዳ ቪዛ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ተሓተትቲ ወይ ተሓባበርቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ዕላማ ዝገበረ እዩ።
ኣሜሪካ፣ ብሰላምን ክብርን ክነብሩ ዝደልዩ ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጎኒ ደው ምባል ከምትቕፅል ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።
ኣሜሪካ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ስግኣት ዝኾኑ መራሕቲ ኣኽረርቲ ነበር ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ናብ ሕጊ ንምቕራብን ተሓተትቲ ንምግባርን እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፃ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.