Fana: At a Speed of Life!

ኣብቲ በጀት ዓመት 163 ትካላት ኦዲት ተገይሮም

አዲስ አበባ፣ 11 ሰነ ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዋና ኦዲተር ፌዴራል ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኦዲት ገይረ ኢሉ፡፡
መበል 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 26 ስሩዕ ጉባኤኡ ፀብፃብ ትካሉ ሰሚዑ፡፡
በዚ መሰረት እቲ ቤት ፅሕፈት ዓመታዊ ሒሳብ ብዓል በጀት ትካላት መንግስቲ ፀብፃብ ፋይናንሻል፣ሕጋውነትን ኦዲት ፍፃመን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ፡፡
ዋና ኦዲተር ፌዴራል ዋና ኦዲተር መሰረት ዳምጤ ኣብቲ እዋን ÷ኣብቲ በጀት ዓመት 163 ትካላት ኦዲት ብምግባር 111 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ከዐውት ምኽኣሉ ኣረዲኤን፡፡
ኣብ ኣጠቃቅማ በጀት ትካላት መንግስቲ ከይዲ ኣተገባብራ ኣሰራርሓ ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ ንስራሕ ኦዲት ሓጋዛይ ከምዝነበረ ኣመላኺተን፡፡
ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሐዚውን ጉድለት ኣጠቃቅማ በጀት ምህላዉ ብምሕባር ÷ ኣብ በቢትካላት ዝተርኣዩ ውፅኢታት ኦዲት ነቲ ባይቶ ብዝርዝር ኣቅሪበን፡፡
ብኣሸናፊ ሽብሩ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.