ግደ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቡሴራ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ናብ ማእከል ኣቪዬሽን ኣብ ምስግጋር…
• ኣቡሰራ ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ 1 ሺሕ 910 ሜትር ቁመት እትርከብ ብምዃና ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ (2 ሺሕ 334 ሜትሮ) ብዝተመሓየሸ ኣውሮፕላናት ንክልዓላን ንኽዓልባን ምቹው ኩነታት ኣየር ዝፈጥር እዩ።
• ኣቡሰራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ብቑመት ዝተሓተ ብምዃኑ፣ ዓለም ለኸ በረራታት ኣውሮፕላናት ሙሉእ ናይ ፅዕነት ነዳዲ ሒዘን ንነዊሕ ርሕቀት ክበርራ ዘኽእለን እዩ። እዚ ማለት ኣውሮፕላን ናይ ምፅዓን ዓቕሚ ወሲኹ ማለት እዩ።
• ምቹው ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን ኣቪዬሽን ብቅዓት ድማ ካሊእ ተርኡ ይኸውን። ኢትዮጵያ ኣብ ካርታ ዓለም ዘለዋ ስልታዊ ኣቀማምጣ (ኣብ ኣውሮፓ፣ እስያን ኣፍሪካን መስመር ምህላዋ) ኣቡሴራ ዓለም ለኸ በረራታት ሓፂርን ተመራፂን መተሓላለፊ መስመር ይገብሮ።
• እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርባዕተ ዘበናዊ መንደርደሪ ነፈርቲን ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 270 ነፈርቲ ደው ከብል ዝኽእል ቦታ ይህልዎ። ኣብዚ ሕዚ ካብ ዘሎ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብ4 ነጥቢ 4 ዕፅፊ ይበልፅ።
• እቲ ዝህነፅ ዓብይን ዘበናውን ካርጎ ፅዕነት ካብ ኣፍረይቲ ሃገራት ናብ ተጠቀምቲ ዓለምለኻዊ ንግዳዊ ኣቑሑትን ቀረብ ሕክምናን ዝዕደለሉ ዓብዪ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣየር ቀንዲ ክኾን ይገብሮ።