ቀደማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ንፓርቲ ብልፅግና ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩም መልእኽቲ አመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ኣንዋር ኢብራሂም ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ብምዕዋቱ ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩም መልእኽቲ አመሓላሊፎም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፓርቲኦምን ኣብ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ብምዕዋቶም ልባዊ ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩም መልእኽተይ አሕልፍ ኢሎም።
ኣብ ታሪክ መራሕቲ ማሌዥያ ፈላማይ ዝኾነ ዑደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምግባሮም ብምዝኽኻር፥ ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ምሕጓሶምን ምስ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምዝታዮምን ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝነበረ ዘተ ዓበይቲ ሃገራት ደቡብ ማዕርነተን ንከረጋግፃ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ምዝታዮም ገሊፆም።
ማሌዥያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ እትገብሮ ምትሕብባር ኢትዮጵያ ኣድላይት ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ምትሕብባራት ብምጥንኻር ምስኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ባህጊ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።