ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ነበርቲ እታ ከተማ መወገዲታት ፈሳሲ ብምፅራይ ከባቢኦም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ንኽሕልዉ ፀዊዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መወገዲ ፈሳሲታት ብምፅራይ ከባቢኦም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ንኽሕልዉ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ፀዊዐን፡፡
ኣብታ ከተማ ኣብ እዋን ክራማት እዚ ዓመት ዝትግበር ጎስጓስ ምክልኻልን ድሉውነትን ሓደጋ ውሕጅ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ እቲ ጎስጓስ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዒ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ከምዝተጀመረ ገሊፀን፡፡
ኣቃቂ ቃሊቲ ብተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጥኡ ታሕተዋይ ክፍሊ ኣዲስ ኣበባ ብምዃኑ ቅድሚ ሕዚ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ውሕጅ እናተኣናገደ ምፅንሑ ኣዘኻኺረን፡፡
ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ስራሕቲ እቲ ቅድመ ምድላው ምክልኻ ሓደጋ ንኽሳተፉ እተን ከንቲባ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡
“ረሳሕ ናብ መውረዲ ፈሳሲ ብዘይምድርባይን ብግቡእ ብምውጋድን ከባቢኹም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ንኽትሕልዉ የተሓሳስብ” ኢለን።