Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮአን ኣመሪቐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ኣርባምንጭ፣ ጅግጅጋ፣ ወላይታ ሶዶን ቦንጋን ተምሃሮአን ኣመሪቐን፡፡

ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ንመበል 39 ግዘ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 18 ሳልሳይ ዲግሪ ተመረቕቲ ሓዊሱ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ተመረቕቲ ሃፍቲታት ኢትዮጵያ ምውፃእን እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ዕቤት ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ኣለኩም ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ንመበል 18 ግዘ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምርህርቲ ዘሰልጠኖም 672 ተምሃሮ ብቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምርን ማሕበረሰብ ሓቆፍ ኣገልግሎታትን ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ንኢዶም።

ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 37 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ተመረቕቲ ንሃገር ዝቖሙ ምዃኖም ዘርኢ ተግባር ክውግኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ቦንጋ ን8ይ ግዘ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 257 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፈወርቅ ካሱ (ፕ/ር )፤ ተመረቕቲ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገሮም ከገልግሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.