Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሚዛን ኣማን ቅደመ ምረቓ በረራ ጀሚሩ

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሚዛን ኣማን ዝገብሮ ቅደመ ምረቃ በረራ ሎሚ መዓልቲ በረራ ጀሚሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ናብ ከተማ ሚዛን ኣማን ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ በረራ ዝገብር እንትኸውን÷ እዚ ድማ ንማሕበረሰቡ ቅልጡፍ፣ ምቹውን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንምቕራብ ዘኽእል ኢዩ።

ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኤርፖርትታት ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጌታነህ ኣደራ፣ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ፍቅሬ ኣማንን ካልኦት ኣመራርሓን ተረኺቦም፡፡

ኣብ በረራ ውሽጢ ሃገር ኣድማስ በረራኡ እናስፈሐ ዝርከብ እቲ መገዲ ኣየር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ከተማ ደብረ ማርቆስ ቅድመ ምረቓ በረራ ከምዝጀመረ ይፍለጥ፡፡

‎ብፍሬው ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.