Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ጉያ ዘደንቑ ክብሪታት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥ ዕዙዝ ግደ ይፃወት ኣሎ – ሰላማዊት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ቱሪዝም ስፖርት ካብ ምንቕቓሕ ሓሊፉ ዘደንቑ ክብሪታት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥ ዕዙዝ ግደ ይፃወት ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ፡፡

ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብድምቀት ተኻይዱ ተዛዚሙ።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፤ ዓብዪ ጉያ ኣዲስ ኣበባ በቢዓመቱ እትደምቐሉ ዓብዪ ፍፃመ እዩ።

ኣብቲ ውድድር ነበርቲ እታ ከተማ፣ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ካብ መላእ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝገብሩዎ ተሳትፎ በቢዓመቱ እናወሰኸ ይመፅእ ከምዘሎ ተዛሪበን።

እዚ ውድድር ጉያ እወንታዊ ምስሊ ኢትዮጵያ ካብ ምፍላጥ ሓሊፉ እታ ሃገር ዓበይቲ ዓለም ለኸ ፍፃመታት ናይ ምስትንጋድ ዓቕሚ ከምዘለዋ ብተግባር ዘርኢ ምዃኑ ኣመልኪተን።

ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ጉያ ልዕሊ 60 ሺሕ ሰባት ከምዝተሳተፉ ብምሕባር፤ እቲ ውድድር ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ዓብዪ ኣፍልጦ ንኽረክብ ዘኽእል ምዃኑ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ መበቆል ጥንታዊ ስልጣነ (ምድረ ቀደምት) እያ ክበሃል ከሎ፤ ጥንታውነታ ኣብ ኣትሌቲክስ እውን ዝንፀባረቕ ምዃኑ ብምግላፅ ነዚ ታሪኽን ባህሊን ኣተኣሳሲርና ንዓለም እንነግረሉ ፅቡቕ መድረኽና እዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.