Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ብምዃና ሕብረት ኣፍሪካ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ብምዃና ሕብረት ኣፍሪካ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ካናዳ ሞንትሪያል ኣብ ዝተኻየደ መበል 43 ስሩዕ ጉባኤ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪየሽን፤ ኢትዮጵያ ልዑል ድምፂ ብምርካብ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኮይና ከምዝተመርፀት ይፍለጥ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ዘመሓላለፉዎ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ፤ ምምራፅ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዓብዪ ዓወት እዩ ኢሎም።

እቲ መረፃ ኣህጉር ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ድጋፍ ዘንፀባርቕ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ምምሕዳር ሲቪል ኣቪየሽን ውክልና ክህልዋ ዘኽአለ ምዃኑ ገሊፆም።

ኮሚሽን ሲቪል ኣቪየሽን ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ንኽትምረፅ ዝገበሮ ኣበርክቶ እውን ንኢዶም።

ሕብረት ኣፍሪካ ምትእስሳር ትራንስፖርት ኣየር ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ብምሕባር፤ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኩለን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ብምትሕብባር ኣህጉራዊ ዕዳጋ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ተግባር ንኽውዕል ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.