ንዝሓደረ ቁስሊ ብምዝታይ ዝፍውስ መድረኽ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሓቀኛ ዘተ ኣብ ድሕሪ ዝንገሩ ቃላት ዘለዉ ስምዒታት ምርዳእ፣ ብዕምቆት ምስማዕ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ ተመስሪትካ ምዝርራብ ይሓትት።
ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ረብሓ ሃገር ብሓባር ክቖሙ ዝኽእሉ ሓሳቦም ዋጋ ከም ዘለዎ ምስ ኣመኑ፣ ብናፅነት ተዘራሪቦም ሕቶታቶም ምስ ኣልዓሉ፣ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ሓሳብ ምስ ኣበርከቱ ከምኡውን ምስ መንግስቲ እምነት ምስ ፈጠሩ እዩ።
ናይ ሓሳብ ግጭታት ብምምኽኻር ክፍትሑ እንተዘይክኢሎም ዘይምስምማዕ ድማ ብዘይ መፍትሒ እንተተሓላለፈ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ፍልልያት ይፈጥር፤ እዚ ድማ ናብ ወለዶታት ዝመሓላለፍ ቂምን ቅርሕን ኮይኑ ዕዳ ወለዶ ይኸውን።
ምምኽኻር ካብ ትማሊ ዝወረስናዮ ጌጋ እንእርምመሉ፣ ናይ ሎሚ ቁስልና እንፍውሰሉ፣ ከምኡ ‘ውን ደቅና ካብ ፍልልይ ዘምፅኦ ስግኣት ኣውፂእና ሰላማዊት ኢትዮጵያ እንርከበሎም ኣገዳሲ መሳርሒ እዩ።
ሃገር ኣብ ልቢ ዜጋታት ዘላ፣ ኣብ ዝኸዱሉ ኩሉ ቦታ ሒዞምዋ ዝዞሩ፣ ክገድፍዋ ዘይኽእሉ፣ ካብ ልቦም ዘይትወፅእ መግለፂ ማንነቶም እያ። ሃገር ዝህነፅ ድማ ብሓባራዊ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ኣስተዋፅኦ ከም ዝኾነ ይእመን።
ዘይተዋሃደ ዜማ ንምስማዕ ዘይጥዑም ከም ዝኾነ ሁሉ ኢትዮጵያ ብተናፀል ዝዝመረላ ዜማ ኣይትደሊን፤ ካብ ኩሉ ወገን ዝተዋሃደን ብስምምዕ ዝተሃነፀን ሓባራዊ ዜማ እያ እትደሊ።
ኢትዮጵያውያን ንዘመናት ብሓባር ከም ዝዘመሩ፣ ብተናፀል ብዛዕባ ሃገር ዝዘመሩሉ እዋናት እውን ብዙሓት እዮም። ነዞም ብተናፀል ዝነበሩ ድምፅታት ናብ ሓደ ሓባራዊን ዝተዋሃደን ዜማ ንምቕያር፣ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ታሪኽ ሓድሽ ምዕራፍ ኮይኑ ተራእዩ እዩ።
ሐዚ እውን ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓባራዊን ዝተዋሃደን ዜማ ንምፍጣር ካብ ምእካብ ኣጀንዳታት ጀሚሩ ብዙሓት መድረኻት ሓሊፉ ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ንምዝታይ ተቐሚጡ ኣሎ።
እዚ ዘተ ዝሓደረ ቁስሊ ብምፍዋስ ኣብ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብሩህ ተስፋ ዝዘርእን መሰረት ምዕባለ ዘንብርን እዩ።
ብቤተልሔም ግርማ