ብሃይለ ቃል ተጀሚሩ ብሓሃይሊ ስጉምቲ ዝዛዘም ባህሊ ፖለቲካ ንመወዳእታ እዋን ከትርፍ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሕ ታሪኽን ብዙሓት ስልጣነታትን ትኹን እምበር ፖለቲካና ብሓይለ ቃል ተጀሚሩ ብሓይሊ ስጉምቲ ምድምዳሙ ቀንዲ ስብራትና ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓይለ ቃላት ተጀሚሩ ብሓይሊ ስጉምቲ ዝውዳእ ፖለቲካዊ ባህሊ፣ ሓንሳብን ንመወዳእታን ግዘ ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ኢፋት ክሳብ ጊቤ፣ ካብ ወላይታ ክሳብ ከፋ፣ ካብ ወሎ ክሳብ ሸዋ፣ ካብ ላስታ ክሳብ ትግራይ፣ ካብ ዓፋር ክሳብ ሶማሌ ዝነበሩ ሱልጣኔታትን መንግስታትን ኢትዮጵያ እንትምርመሩ፣ ኣብ ኩሉ እዋን ዝተርኣየ ስብራት ብቓላት ተጀሚሩ ብሓይሊ ዝተዛዘመ ምዃኑ ኣብሪሆም።
እዚ ድማ ካብ ታሪኽና ዝኸፍአን ዋናን ስብራት እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስት፤ እዚ ዘሕዝን ታሪኽ ንመወዳእታ ግዜ ክዕፆ ከም ዘለዎ ኣገንዚቦም።
“ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ፀገማት ንሕና ጥራሕ እንጅምሮምን ንሕና ጥራሕ እንውደኦምን ኣይኮኑን፤ ከምቲ ‘ኣብ ግዜ ምግዛእ ከፍቲ ዘይርከቡ ኣሞራታት፣ ኣብ ግዜ ምሕራድ ከብቲ ግን ይእከቡ’ ዝብል ምስላ ኣቦታት ጠምባሮ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንኡሽተይ ፀገም እንተተፈጢሩ ዝፅበዩን ዝንቀሳቐሱን፣ ካብ ዘበናት ጀሚሮም ዘይተቋረፀ ፅልኢ ዘለዎምን ሃገራት ኣለዉ” ኢሎም።
“ኣብዚ ናይ ምፍልላይ መገዲ፣ ብስንፍናና ዝተጠቐሙ ኣካላት ነይሮም፤ ኣብ ቀረባ ግዜ እኳስ ናይ ቀይሕ ባሕሪ መውፅኢና ዝሰኣንናሉ መገዲ፣ ካብዚ እኩይ ታሪኻዊ ፍፃመ ሓደ መግለፂ እዩ” ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንሺሕ ዓመታት ዘመሓደረቶን ብወናነነት ዝሓዘቶን ቀይሕ ባሕሪ ብህዝቢ ዘይተመረፀን ዘይተዛተየን መንግስቲ ብሽርሒ ኢትዮጵያ ጂኦግራፍያዊት እስርቲ ክትከውን ዝገበረ ዋና ምኽንያት፣ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ስንፍና እምበር ብሓይሊ ፀላእቲ ኣይኮነን ኢሎም።
ድሕሪ ሕዚ እዞም ኣሞራታት እኩይ ዕላማኦም ንከየሳኽዑ ውሽጣዊ ጠገማት ብምልዛብ ክፍትሑ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።
ብናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፍልልያት ክጥቀሙ ዝደልዩ ኣሞራታት ኢትዮጵያ ካብ ድሌታ ወፃእ እትህቦ ዋላ ሓደ ብሄራዊ ረብሓኣ ከም ዘየለ ፈሊጦም ቀልቢ ንኽዕድጉ ኣተሓሳሲቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያውያን ዋላ እኳ እንተተጋጨዉ ብሽምግልና፣ ብይቕረታን ብኻሳን ናብ ንቡር ሓድነቶም ዝምለሱ ስለ ዝኾኑ፤ ኣሞራታት ዝረኽብዎ ዕድልን ኣጋጣሚን ኣይህሉን ኢሎም።
ብኣቤል ነዋይ