ልምዓት ኮሪደር እዋኑ ንዝጠልቦ ሜላ ኣነባብራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር እትህነፅ ብዝሐሸ ኩነታት ምሕሳብ፣ ምፍቕልጣፍን ምፍጣርን ዝኽእሉ ዜጋታ እንትህልዉዋ ምዃኑ ይእመን፡፡ ልምዓት ኮሪደር ንፅባቐ ከባቢ ንምፍጣር ጥራሕ ተሓሲቡ ዝስራሕ ዝመስሎ እንተሃሊዩ እዚ ፍፁም ስሕተት ኢዩ፡፡
እቲ ልምዓት ዝወቀበን ንፁህ ከባቢን ብምፍጣር ሰባት ብዝሐሸ ኩነታት ምስልሳልን ሓደሽቲ ነገራት ንኽፍጥሩን ዘኽእሎም ናይ መንፈስ ምርግጋእ ዘላብስ ኢዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጭንቀት ከይኣትዉ ብምግባር ሰባት ካብ ሕመም ኣእምሮ ንኽሕለዉ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለዎ፡፡
ከተማታት ተረባሕቲ ልምዓት ኮሪደር ብምዃኖም ንምውፃእን ንምእታውን ኣስጋእቲ ዝነበሩ ቦታታት ተወጊዶም ናይ ማሕበረሰብ ድሕንነት ስግኣት ተፈቲሑ ብሰላም ወፂኡ ምእታዉ ተረጋጊፁ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ምውቃብ ሓሊፉ ቅድም ክብል መእከቢ ረሳሕ ዝነበሩ ንጥዕና ማሕበረሰብ ጠንቂ ዝኾኑሉ፣ ብሰፊሕ ኩነታት ንሕማም ተቓላዕቲ እናወሰኹ ዝነበሩ ከባቢታት ብምፅራይ ንፅህናኦም ብዝሓለወ መገዲ ንኽፀንሑ ኣኽኢሉ ኢዩ፡፡
ዝተጨናነቐን ምቹው ኣብ ዘይኮነ ስርዓት ኣነባብራን ንዝነበረ ክፋል ማሕበረሰብ እውን ዝሐሸን ዝተኣተወ ሜላ ኣነባብራን ፈጢሩ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጎዳናታት ዝርከቡ ናይ መስመር ዝርገሐታትን መሰረተ ልምዓታትን ብዝዘመነ መልክዑ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘርአየ ከምኡ እውን መገዲታት ንትራንስፖርት ምቹዋት ንኽኾኑ ኣብ ምግባር ማሕበረሰብ ብቕልጡፍ ካብ ናብ ዝሓሰቦ ንኽበፅሕ ኣኽኢሉ ኢዩ።
ሃገር ንዝርከቡ ህፃናት መፃወቲን ክእለቶም መዕበዪን፣ ንመናእሰይ መንበቢን መዘናግዑን ቦታታት ዘካተተ ልምዓት ኮሪደር ግዚኡ ዝጠልቦ ምዃኑ ብተግባር ኣርእዩ ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ተተኣናግዶም ጉባኤታት ዝመፅኡ ኣጋይሽ እውን ነዚ መረጋገፂ ኢዮም፡፡
ብሓፈሻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ ኣብ ካልኦት ከተማታት ጉዕዞኡ ዝገበረ እዚ ልምዓት ኮሪደር ንኢትዮጵያውያን ዝግበኦም ግዚኡ ዝጠልቦን ዝሰልጠነ ስርዓት ኣነባብራን እናረጋገፀ ይርከብ፡፡
ብቤተልሄም ግርማ