ሓዱሽ ነጋሪት ኲናት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን እምቢታ ህዝቢ ትግራይን
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ፣ ንግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እውን ኣፍሪሱ እዩ።
እቲ ጉጅለ ምስ ወፃኢ ሓይልታት ብምትሕብባር ኣንፃር ኢትዮጵያ ኲናት ንምኽፋት ናይ ኲናት ነጋሪት እናስመዐ ይርከብ።
ይኹን እምበር፣ ህዝቢ ትግራይ እምቢ ንኲናት ምባሉ ብግልፂ ኣብ ኣደባባይ ይገልጽ ኣሎ።
መንግስቲ መደመርን መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ዝፈረሙዎ ታሪኻዊ ስምምዕነት ሰላም፣ ንኽልተ ዓመታት ዘሊቑ ንዝነበረ ጎንፂ ጠጠው ኣቢሉዎ ነይሩ።
እቲ ስምምዕነት ዘላቒ ሰላም ሃገር ንምምፃእ ዝዓለመ እኳ እንተነበረ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግን ነቲ ስምምዕነት ብምጥሓስ ንሰላም እቲ ክልል ኣብ ሓደጋ አእትዩዎ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ንዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ባዕሉ ስልጣን ብምቁፅፃርን ምስ ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሓይልታት ርክብ ብምፍጣርን ንኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ኲናት ንምእታው ይሰርሕ ከም ዘሎ መረዳእታታት ይሕብሩ።
መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እውን ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባታት ነዚ ኣሚኖም ኢዮም።
እዚ ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኲናት ሃይሃይታ ንህዝቢ ትግራይን ንመንእሰያትን ናብ ዓፈናን ከቢድ ሓደጋን እናእተወ ይርከብ።
ነዚ እኩይ ተግባር ኣፍልጦ ዘይህብ ህዝቢ ትግራይ፣ ዳግማይ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ህልቂትን ዕንወትን ንዝወስድ ኣካይዳ ብልዑል ይቃወሞ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊን ህዝባዊ ተቓውሞን ነዚ ዝረጋግፅ እዩ።
ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ውግእ ወረ ውግእን ዘይኮነስ፤ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዕድል ስራሕን ኢኮኖሚያዊ ምርግጋእን ምዃኑ ገሊፆም እዮም።
ብኻልእ መዳይ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሕወሓት ኣብቲ ክልል ዘካይዶ ዘሎ ኣገዳዲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ምድላው ኲናትን በረርቲ ወረቓቕቲ ብምዝርጋሕ ብትሪ ተቓዊሞምዎ ኣለዉ።
እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጀመረ በረርቲ ወረቓቕቲ ብምብታን ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ከቢድ ኲናት ዝተምሃሮ ትምህርቲ ዘርኢን ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ዘረጋግፅን እዩ።
ኣብ ልዑል ስግኣትን ወጥረን ዝርከቡ ነበርቲ እቲ ክልል፤ ዳግም ናብ ህልቂትን ምፍሳስ ደምን ዝወስድ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከምዘይቕበሉ ብግልፂ የርእዩ ኣለዉ።
እዚ ናይ ህዝቢ እምቢተኝነት፤ ኣብ ክልል ትግራይ ንሰላም ዘሎ ዓብዪ ሃንቀውታ ዘርኢ ኮይኑ ኣሎ።
መንግስቲ መደመር ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝተፈረመሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ እቲ ስምምዕነ ሙሉእ ብሙሉእ ተፈፃሚ ንኽኸውንን መናእሰይ ካብ ጎንፂ ክሕለዉን ሰፋሕቲ ፃዕሪታትን እናገበረ ይርከብ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምስ ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ብምምስጣር ሰላም ሃገር ንምፍራስን ሉኣላዊነት ንምድፋርን መበገሲ ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ኲናት ሰላም ዝመረፀ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ግን ናይቲ ጉጅለ ሽርሒ ንምፍሻል ልዑል ዓቕሚ እናኾነ ይርከብ።