Fana: At a Speed of Life!

ብመናእሰይ ተቓውሞ ዝገጠሞ ገበን ግፋ ዘይሕጋዊ ህወሓት

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብግልፂ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ክልል ትግራይ እናተፈፀመ ዝርከብ ኣገዳዲ ግፋ፣ ማእሰርቲን ተግባር ጭቆናን ጠጠው ክብል ይግባእ ኢሎም ካብ ግፋ ዘምመለጡ መናእሰይ ተወለድቲ ክልል።

እቶም መናእሰይ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ጉጅለ መንእሰይ ወለዶ ንመናውሒ ስልጣንን ንኲናትን እናተጠቐመሉ ከምዝርከብ ነቲ ክልል ንልዑል ማሕበራዊ ቅልውላው ዳሪጉዎ ኣሎ።

ካብ ግፋ እቲ ጉጅለ ከምልጥ ዝኻኣለ ፀጋልኡል በርሀ፤ እቲ ጉጅለ ንመናእሰይ ብዘይድሌቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን፣ ካብ ቤት ትምህርቲን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ብመኪና እናገፈፈ ይወስድ ኢሉ።

ነዚ ኣገዳዲ ግፋ ብምቅዋም “ኣይንቕተልን፣ ውግእ ኣየድልየናን” ብዝብል ንምምላጥ ዝፍትኑ ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ከተማ ሽረ ብጥይት ተደብዲቦም ከምዝተቐተሉ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢድ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝወደቑ መናእሰይ ተዓፊኖም ናብ ሳዋ ከምዝተልኣኹ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ እናበፅሐ ዝርከብ ግፍዒ ኣዚዩ ዘሕዝዝንን ጠጠው ክብል ዘግበኦን ከምዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂቡ።

ኣይተ መሓሪ ይስባ ብግደኦም፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብቲ ክልል ክሳብ 500 ሺሕ ብር ቅፅዓትን ክሳብ ሞት ፍርዲ ዝበፅሕን ሕጊ ኣውፂኡ ንህዝቢ እናሳቐየ ይርከብ ኢሎም።

ብፍላይ ናብ በረኻ ዝሃደመ መንእሰይ እንተሃሊዩ ስድርኡ በቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከቢድ ቅፅዓት ከምዝንበረሎም ብምግላፅ፤ ንኣዴታት ብዘይውላድ ካብ ዘትረፈ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብምንጋፍ መንእሰይ ሰላም ክረክብ ይግባእ ክብላ ኣመልኪተን።

ኣብ ትግራይ ነቲ ጉጅለ ዝተቓወመ ኣካል ከምፀላኢ ከምዝቑፀር ዝገለፁ ድማ መምህር ገ/ኪሮስ ሕሉፍ እዮም።

መናእሰይ እቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋና ድሌቶም ኲናት ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ኢትዮጵያ ብሓባር ብሰላም፣ ብፍቕሪን ብደስታን ምንባር ከምኡ እውን ተረባሒ ልምዓት ምዃን ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.