ጉዕዞ ምዕባለ ቴክኖሎጂ – ዲጂታል ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፡ 17 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብዚ እንነብረሉ ዘበን ዓለምና ኣብ ቅልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚን ልዑል ስግግር ቴክኖሎጂን ትርከብ።
ኣብዚ ጉዕዞ ዕብየት ሉኣላውነትን ኩለመዳይ ምዕባለን ሃገራት ዝረጋገፀሉ ዋና መሳርሒ ድማ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምዃኑ ብሰፊሑ ይእመን።
ኢትዮጵያ ነዚ ሓቂ ብምግንዛብ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025” ዝተረኽቡ ዓወታት ብምብጋስ እታ ሃገር ናብ ብፍልጠት ቴክኖሎጂ ዝተመርሐ ኢኮኖሚ ዘሰጋግርን ኣፍሪካ መሪሕ ዲጂታል ሃገር ንምግባርን ስትራቴጂ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030” ብወግዒ ኣብ ስራሕ ኣእትያ እያ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናርአያ ካብ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ እንትትከውን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ልዑል ጉዕዞ ዲጂታል ስግግር ትርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ዕለታዊ ናብራ ዜጋታት ካብ ምምሕያሽ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ዜጋታትን ዘሎ ምትእምማን ከምዘጠናኽሩ፤ ኣገልግሎታት ዲጂታል ምዃኖም ግልፅነት ብምፍጣር፣ ዝተጓተ ኣሰራርሓ ብምምሕያሽን ሌብነት ብምንካይን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።
ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ልዑል ዕቤት ኢኮኖሚ ንምምዝጋብ ኣብ ቁጠባዊ ሃፍቲ፣ መንግስታዊ ምምሕዳርን ማሕበራዊ ዓውዲታትን ዓበይቲ ለውጢታት ንምምዝጋብ ዝተዳለወ ብሄራዊ ፍኖተ ካርታ ቴክኖሎጂ እዩ።
እዚ ስትራቴጂ ቀዲሙ ዝነበረ ትልሚ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025” ዝተቐመጠሉ ዕላማታት ብልዑል ዓወት ምዝዛሙ ስዒቡ፣ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሊ ተጀሚሩ።
ዲጂታል ፍልጠት ምስፍሕፋሕ፣ ኣብ መረዳእታ ዝተመርኮሰ ኣወሃህባ ውሳነ ምጉልባትን ትካላዊ ዓቕሚ ብዲጂታል ስርዓት ምህናፅን ኢሉ እውን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር፣ ጅማሮታት ቴክኖሎጂ ምድጋፍ ን ዋና ዋና ዓውዲታት ኢኮኖሚ ምዝማንን ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ስትራቴጂ እዮም።
ሕርሻ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ንኢኮኖሚ ሃገር ወሰንቲ ዝኾኑ ዓውዲታት ብምዝማን ኣብ ሞንጎ ከተማን ገፀርን ዘሎ ኣፈላላይ ዲጂታላይዜሽን ምፅባብን ኩለመዳይ ዕብየት ንምምዝጋብ የኽእል።
ቀንዲ ራኢ እቲ ስትራቴጂ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ብማዕረ ካብ ዲጂታል ስርዓት ተረባሕቲ ንክኾኑ ዕድል ምፍጣር እዩ።
እቲ ስትራቴጂ ንሰብ ሰራሕ ምስትውዓል ልዑል ትኹረት ሂቡ ኢዩ። እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ፍትሒ፣ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ንኽውዕልን ውፅኢታውነት እቶም ዓውዲታት ንክውስኽን ይገብር።
ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንሕንቃቐ ወይ እውን ናይ ርሑቕ ትምኒት ዘይኮነስ እታ ሃገር ኣብ ናይ ባዕላ ክብሪን ጭቡጥ ኩነታትን ተመስርታ ዓለም ዝበፅሖ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምትግባር ናይ ባዕላ ጎዳና ዕቤት ባዕላ ንምፅራግ ዝተለመቶ ቆራፅነት ምዕባለ እዩ።
ዓወት ናይቲ ስትራቴጂ ድማ ንኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ዝተሰጋገረትን ዓሚቕ ኢኮኖሚያዊ ዓቕማ ብዝተማለአ ኩነታት ዝተጠቐመት ተምሳሌት ምዕባለ ኣፍሪካ ይገብራ።
ብመልካም ፈቃዱ