Fana: At a Speed of Life!

እቲ ዘተ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንትውልዲ ንምትሕልላፍ ወሳኒ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ እናተሳተፉ ዝርከቡ ኣባላት ዳያስፖራ እቲ ዘተ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንትውልዲ ንምምሕልላፍ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፤ ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ልዕልነት ሓሳብ ምቕባል ይግባእ ኢሎም።

ኣቦታትናን እናታትናን ዘፅንሑልና ሃገር ብዝሐሸ መልክዑ ናብ ዝቕፅል ትውልዲ ምምሕልላፍ እንኽእሎ ብምዝታይ ምርድዳእ እንትንክእል ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ኣሳታፊን ናይ ኩሉ ድምፂ እናተሰምዐሉ ዝርከብን ብምዃኑ ንኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ዘሰጋግር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ደቃ ንዓለም ናይ ባዕላ ብፅሒት ንኽተርክት ዘኽእል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዝተሰሓሓቱ ያታታት ብምእራም ሓበራዊ ዝኾኑ ብመሓዝ ክተርፉ ዝግበኦም ኣትሪፍና ንቕድሚት ንምጉዓዝ እናዘተና ንርከብ” ኢሎም።

መተሓዳደሪ ደምቢ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናተፅሓፈ ዝነበረ ብፖለቲከኛታት ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ዘተ ኣብ ቀፃሊ ዕጫ ኢትዮጵያ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ እጃሙ ንኸዋፅእ ዕድል ከምዝሃበ ተዛሪቦም።

ተዛተይቲ ሓድነቶም ብምጥንኻር ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ልዑል ሃንቀውታ ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።

ብእመቤት ሲሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.