ናይ ኣቡ ዳቢ 10 ሚሊየን ፈልሲታት ትልሚ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ከተማ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ዝኾነት ኣቡ ዳቢ ኣብ በረኻማ ከባቢታታ 10 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝሓሰበት ኣፍሊጣ፡፡
ብሰብ ስራሕ ብልሒ ኤኣይ ብምሕጋዝ ዝውገን ኢዩ ዝተብሃለ ፕሮጀክት ተኸላ ፈለስ ኣቡ ዳቢ በረኻ ዝኾኑ ቦታታት ናብ ሓምለዋይ ንምልዋጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ÷ ንተኸላ ፈልሲ ዝስማዕምዑ ቦታታት ንምፍላይ ዘገለግሉ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ከምኡ እውን ዕቤት እቶም ፈልሲታት ንምግምጋም ዝሕግዙ ናይ ክትትል ስርዓታት ተሰናዲኦም ኣለዉ፡፡
እቲ ትልሚ 10 ሚሊየን ፈልሲ ኣቡ ዳቢ ዘለዉዋ ሃገር በቆል ዓሌታት እፅዋት ካብ ጥፍኣት ንምድሓን፣ ብዝሃ-ህይወትን ንምጉልባትን ኣብታ ሃገር እናጋጠመ ንዘሎ ምስፍሕፋሕ በረኻነት እወንታዊ መልሲ ንመሃብ ዝዓለመ ከምዘኾነ ተገሊፁ፡፡
ክሳብ ሕዚ ጋፍ፣ ሳማር፣ ኣርታ፣ ሾኣ፣ ራጋልን ታማምን ዝተብሃሉ ከባቢታት ዓይነት ሓድን ጨዋማነትን መጠኖም ተፈልዩ ንተኸላ ፈልሲ ድሉው ተገይሩ እዩ ተባሂሉ፡፡
ከም ሓበሬታ ዓለም ለኸ ሓለዋ ከባቢ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ሕፅረት ዝናብ፣ ልዑል ሙቐት፣ ምስፍሕፋሕ በረኻነት፣ ምምንማን ጋህፂ መሬትን ሃገር በቆል እፅዋትን ዘጋጥማ ሃገር እያ፡፡
እቲ ፀገም ንምክልኻል ቅድም ክብል እታ ሃገር ብሓይሊ ሰብ ጥራሕ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እናገበረት ዝፀንሐት እንትትከውን ሕዚ ሰብ ስራሕ ብልሒ ሓዊሱ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ትገብሮ ተኸላ ፈልሲ ውፅኢት ከምፀአላ ይኽእል እዩ ምባሉ ገልፍ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ