Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዘለዋ ቆራፀነት ብተግባር ኣረጋጊፃ እያ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዘለዋ ቆራፀነት ብተግባር ኣረጋጊፃ እያ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

800 ሚልዮን ፈልሲታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ናይ ምትካል ሃገራዊ ወፍሪ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፓርቲ ብልፅግና ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰርሮም ኣንቢሮም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈፀሙ ተግባራት ብዙሓት ረብሓታት ኣምፂኦም እዮም።

ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ እናኾነ ዝመፅአ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፤ ናይዚ ዓመት ወፍሪ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልሲታት ብምትካል ታሪኻዊ ዓወት ዘመዝገበት እንትትከውን፤ ኣብዚ ዓመት ድማ ብሓፈሻ ልዕሊ 8 ቢልየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ብምሓዝ ናብ ስራሕ ኣትያ ኣላ።

ብኣብረሃም ኣበራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.