Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢትዮ ቴሌኮም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢትዮ ቴሌኮም መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ እንጦጦ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብቲ እዋን፤ ሎሚ መዓልቲ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ኣብ መላእ ሃገር 250 ሽሕ ፈልሲታት ክተኽሉ እዮም ኢለን።

ኢትዮ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንእተካይዶ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣሰሩ እናንበረ ከምዝርከብ ኣመልኪተን።

ብተወሳኺ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት 4 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፈልሲታት ኣብ 889 ቦታታት ከም ዝተኸሉ ብምሕባር፤ ካብ ሞንጎ ዝተተኽሉ ፈልሲታት 82 ነጥቢ 7 ሚእታዊት ብዓወት ከምዝፀደቑን ከምዝዓበዩን ኣብሪሀን።

ብቅድስት ኣባተ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.