ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያውያን ንሓደ ሃገራዊ ዕላማ ዘተኣሳሰረ ሓበራዊ ጎስጓስ እዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ህዝቢታት ኢትዮጵያ ንሓደ ሃገራዊ ዕላማ ብሓባር ዘተኣሳስርን ደው ዘብልን ሃገራዊ ጎስጓስ እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚሊየን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡
እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብቲ እዋን÷ ሓምለዋይ ኣሰር ክሌማዊ ለውጢ ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ናይ መወዳእታ ዓወት ከምዘይኮነ ብምሕባር÷ ድሕሪ ተኸላ ነቶም ፈልሲታት ብግቡእ ምክንኻን፣ ምሕላውን ንፍረ ምብቃዕነ ንዘላቒ ዓወት እቲ መርሃ ግብሪ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡