ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ሚልዮናት ገዛውቲ ናብ ብርሃን ቀይሩ – ሲኤንኤን
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)መቐመጢኡ ኣብ ኣሜሪካ ዝኾነ ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ሚልዮናት ገዛውቲ ናብ ብርሃን ዝቐየረ ግድብ ክብል ገሊፁዎ።
ፀብፃቢት ወኪል ሲኤንኤን ኣብ ኬንያ ዝኾነት ቪክቶሪያ ሩባደሪ ኣብ ዘሰናደአቶ ፀብፃብ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ግድብ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ናብ ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብምብፃሕ ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝረኣየቶ ሓቂ ኣካፊላ።
ጋዜጠኛ ቪክቶሪያ ኣብ ፀብፃባ፤ እቲ ግድብ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ምንም ሓገዝ ወፃኢ ብርእሶም ዓቕሚ ከምዝሃነፅዎን ብዓወት ከምዝዛዘምዎን ገሊፃ።
145 ሜትሮ ቁመትን 1 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ንውሓትን ዘለዎ እቲ ግድብ፤ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ነቲ ዞባ ቀረብ ሓይሊ ተበፃሒ ንምግባር ልዑል እጃም ከም ዘለዎ ኣብሪሃ።
እቲ ግድብ ካብ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ከምኡ እውን ከም መብፅሒ ቱሪዝም ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብብዙሕ መዳይ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ኣብሪሃ።
ኣብ ፀብፃብ ሲኤንኤን ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ከምመወከሲ ዝተዓደሙ ሓላፊ ፕሮጀክት ህንፀ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ፤ እቲ ግድብ 5 ሺሕን 150 ሜጋዋት ኤሌክትሪክ ናይ ምምፍልፋል ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ብዘይጎድእ መልክዑ እናተጠቐመት ከምትርከብ ብምሕባር፤ ግብፂ ብሰንኪ እቲ ግድብ ዝበፅሐኒ ማይ ነኪዩ ኢላ እተቕርቦ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝርከቡ 13 ተርባይናት ብዘፈልፍሉዎ ኤሌክትሪክ፣ 6 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ተጠቀምቲ ይገብር ከም ዘሎ ብምፅራሕ፤ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያን ታንዛንያን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ከምዝገበረን ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ኤሌክትሪክ ንምሻጥ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ግድብ ህዳሴ ናብ 72 ዝበፁ ደሴታትን ቃላያትን ከምዝተፈጠሩ ብምግላፅ፤ እዞም ቦታታት ንመስሕብ ቱሪዝም ከም ዘገልግሉ ኣገንዚቦም።
ኣብ ቀፃሊ ድማ ንመብፅሒ ቱሪስትታት ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ከም ዝህነፁ ብምግላፅ፤ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምፍልፋል ሓሊፉ መብፅሒ ቱሪዝም ከምዝኸውን ሓቢሮም።
ብሚኪያስ ኣየለ