Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ንኢትዮጵያ ብሩህ ተሰፋ ዝሰነቐ እዩ – ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ንኢትዮጵያ ብሩህ ተሰፋ ዝሰነቐ እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣባባ፡፡

ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ብዝምልከት ንፋና ዲጂታል ርኢቶኦም ዝሃቡ ነባሪ እታ ከተማ ኣይተ ጅላሉ ኣህመድ፤ እቲ ከይዲ ዘተ ንኢትዮጵያ ኩለመዳይ ምዕባለ ወሳኒ እዩ ኢሎም፡፡

ኣይተ ቴዎድሮሰ በላይ ብግደኦም፤ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉዋ ፀገማት ዘሳግራ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሃገራዊ ዘተ ንዝቕፅል ወለዶ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምርካብ ልዑል መፍትሒ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘካተተ ዘተ ብምዃኑ ዝተጀመረ ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘቐፅል እዩ ዝበሉ ድማ ኣይተ መኮንን ተሾመ እዮም፡፡

ወ/ሮ ሙሉጎጃም እንዳለ ብግደኦም እቲ ዘተ ስላም ኣምፂኡ ኲናት ከምዘትርፍ ሙሉእ እምነተይ እዩ ኢለን፡፡

እቲ ሃገራዊ ዘተ ንደቅና ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ምርድዳእ እነምህረሉ እዩ ዝበላ ድማ ወ/ሮ ኣስካለ ኣድነው እየን፡፡

ንልምዓት ዕንቅፋት ዝኾኑ ጉዳያት ብምፍታሕ ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ከምዝሕግዝ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም፡፡

ብኣብረሃም ኣበራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.