Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሓምለዋይ ኣብዮትን ልኣላዊነት ምግቢን እናረጋገፀ ይርከብ

ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓምለዋይ ኣብዮትን ሉኣላውነት ምግቢን እናረጋገፀት ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ጥራሕ ኣብቲ ዓውዲ ብዝተሰርሐ ስራሕ ሽፋን ደኒ ካብ 17 ሚእታዊት ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚእታዊ ምዕባይ ተኻኢሉ እዩ።

ሓቀኛ ልኡላውነት ሃገር ዝልካዕ ብዶብ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ብናይገዛእ ርእሱ ዓቕሚ ክምገብን ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ብዘላቕነት ክሕሎን እንተኽኢሉ እዩ።

ብሓለዋይ ኣሰር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ብምትሕብባር ናፅነት ኢኮኖሚን መፃኢ ተስፋን ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ምቛም ይከኣል ኣሎ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘርእይዎ ዘለዉ ሓድነት ካብ ሓለዋ ከባቢ ሓሊፉ ሰፊሕ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ፅልዋታት ኣለዉዎ።

ዕለት 27 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጥራሕ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልሲታት ብምትካል፤ ኢትዮጵያ ካብ ሓምለዋይ ኣሰር ናብ ሓቀኛ ሓምለዋይ ኣብዮትን ልኡላውነትን ንምስግጋር ትገብሮ ዘላ ጉዕዞ ብግቡእ ዘርአየ ተግባር ኮይኑ እዩ።

በቢዓመቲ ብሚልየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ንሓደ ሓባራዊ ዕላማ ብሓደ ምስላፎም ህዝባዊ ሓድነትን ሓባራዊ ምትሕግጋዝን የርኢ።

ብፍላይ ሓዱሽ ወለዶ ምስ ተፈጥሮ ተሰማዕሚዑ ናይ ምንባርን ምክንኻንን ባህሊ ንኸማዕብል ዓብዪ ትምህርቲ ኮይኑ እዩ።

እዚ ተግባር ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብ ምክልኻል ክሌማዊ ለውጢ እተበርክቶ ኣስተዋፅኦ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ። እቶም ፈልሲታት እናዓበዩ እንትኸዱ ድማ እታ ሃገር ካብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ካርቦን ሰፊሕ ፋይናንሳዊ ተረባሒት ንኽትከውን ዕድል ይኸፍተላ።

ፈልሲታት ካብ ምትካል ሓሊፉ ብዝተወደበ መገዲ ናይ ምክንኻንን ምሕላውን ባህሊ ምዕባዩ፣ እቲ ህዝባዊ ጎስጓስ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዘላቒ ዓወት ምዃኑ የረጋግፅ።

ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እተመዝግቦ ዘላ ዓወት፤ ብተግባር ዝተደገፈ ሓቀኛ መረጋገፂ ልኡላውነት ምዃኑ መርኣያ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.