መንግስቲ ኩለመዳይ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብቖራፅነት ይሰርሕ ኣሎ – ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2018 ዓ.ም(ኤፍ.ኤም.ሲ)መንግስቲ ኩለመዳይ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብቖራፅነት ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክባትን ፓርቲ ብልፀናን ሚኒስተር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)።
እቲ ፓርቲ ብዛዕባ ከይዲ ህንፅት ስርዓት ዴሞክራሲን ኣፈፃፅማ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃን ብምምልካት መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ዲፕሎማሰኛታት ወፃኢ ሃገራት መብርሂ ፃም።
ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለፁዎ፤ ካብ እዋን ለውጢ ንደሓር ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣምር “መደመር” ማእኸል ዝገበሩ እዮም።
ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ምዃና እውን ገሊፆም።
ኣብ ስደት ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ናብ ሃገሮም ምምላሶምን ምስ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ዝተፈጠረ መንፈስ ምትሕብባርን ንሃገራዊ ሓድነት ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብልፅግና ፓርቲ 15 ነጥቢ 9 ሚሊየን ኣባላት ከምዘለዉዎ ብምግላፅ፥ በዚ ድማ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ከምኡ እውን ብብርኪ ዓለም መበል 11 ዝዓበየ ፓርቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡