እቲ ዘተ ንዘበናት ዝፀንሑ ፀገማት ብምፍታሕ ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዘኽእል እዩ – ተዛተይቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ንዘበናት ዝፀንሑ ፀገማት መፍትሒ ብምሃብ ዝሓሸት ሃገር ንምህናፅ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ።
ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዘድሀበ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።
በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝውክሉ 4 ሽሕ ተወከልቲ ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዓሚቝን ኣሳታፊን ዘተ እናካየዱ ይርከቡ።
ተዛተይቲ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ዘተ ንዘበናት እናተንከባለሉ ዝፀንሑ ፀገማት ብምፍታሕ ንጥንኩር ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት እዩ።
ካብ ሞንጎ ተሳተፍቲ ዘተ ሰይፈጀማል ሓጂ፤ ኣብቲ ዘተ ብዝተረጋገአ መገዲ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ብምሕባር ሃገራዊ ዘተ ኣፈላላያት ብዘተ ብምፍታሕ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ዓብዪ መሰረት ከንብር እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሰልጠነ ዓለም ዝኾነ ይኹን ፀገም ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ብምዝርራብ ከም ዝፈታሕ ዝሓበሩ እቶም ተዛታዪ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ዘተ እውን ናይዚ ሓደ መርአያ ምዃኑ ገሊፆም።
ካልእ ተዛታዪ መርዱ ገብረስላሴ ብግደኦም፤ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ብምዝታይ ዘይፍታሕ ፀገም ከምዘየለ ኣገንዚቦም።
ብምዃኑ ድማ እቲ ሃገራዊ ዘተ ንሓድነት ኢትዮጵያውያን ዝያዳ ብምጥንኻር ልምዓትን ምዕባለን ከምፅእ ከምዝኽእል ልዑል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ብፍላይ ካብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ዜጋታት ዝሳተፉሉ ሓቛፊ መድረኽ ብምዃኑ፤ ነቲ መድረኽ ዘተ ፍሉይ ድምቀት ዝህብን ናይ ሃገርና ትኽክለኛ ምስሊ ዘንፀባርቕን ምዃኑ ኣልዒሎም።
ኣሳታፋይነት እቲ መድረኽ ዘተ ኣዝዩ ዘሐጉስ እዩ፤ እዚ ኣካይዳ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀፃሊ ዕጫ ሃገሮም ኣብ ምውሳን ማዕረ ግደ ንኽህልዎም ዘኽእል ምዃኑ ዝገለፁ ድማ ተዛታዪ ገበየሁ ደጎየ እዮም።
እዚ መድረኽ ንነዊሕ ዘበናት ዝፀንሑ ዘይምርድዳኣት ዘላቒ ፍታሕ ብምሃብ፤ ኩሉ ሰብ ገፁ ናብ ልምዓት ክመልስ ምቹው ዕድል ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም።