ካብ ዞባዊ ምትእስሳር ክሳብ ዓለም ለኸ ተሰማዕነት
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ምንቅስቓስ ሓድነት ኣፍሪካ ካብ ምድጋፍ ቃልሲ ናፅነት ኣፍሪካውያን ጀሚራ ኣህጉራዊ ትካላት ኣብ ምምስራት ታሪኻዊ ግ ተፃዊታ እያ።
መንግስቲ መደመር ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ መላእ ኣህጉርን ዘለዋ ናይ ነዊሕ እዋን ኣብ ታሪኽ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ማእኸል ብምግባር ዓለም ለኸ ፅዕንቶኣ ዘጉልሁ ተግባራት እናወገነት ትርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለዋ ተሳትፎ ንምዕባይ ከምኡ እውን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነትን ዝተመስረተ ዝምድናን ንምጥንኻር ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ሓባራዊ ሰላም፣ ፀፅታን ኢኮኖሚያዊ ረብሓን ብምቕዳም ውፅኢታዊ ዲፕሎማስያዊ ተግባራት ተኻይዶም እዮም።
ብመንፅር እዚ ኣብ ሓበራዊ ምትእስሰሳር ንግዲ፣ ትራንስፖርት፣ ድሕነትን ልምዓትን ንምስፍሕፋሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትስስር ዝሃበቶ ትኹረት ዘመላኽቱ እዮም።
ታሪኻዊ ጉዳይ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ዲፕሎማስያዊ ኣጀንዳ ብምምፃእ ብዙሕ ርሕቀት ምጉዓዝ ተኻኢሉ እዩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ኣጀንዳ ካብ ንግዳዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ብተወሳኺ ምስ ዞባዊ ምትእስሳር፣ ሰላምን ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ብምትሕሓዝ ናብ ጠረጴዛ ዘተ ኣምፂኣቶ ኣላ።
ጉዳይ ባሕሪ በር ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ብዘተን ሓባራዊ ረብሓን ፍታሕ ክድለየሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ምርኣይ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ መቐመጢ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ምዃና፤ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዘለዋ ግደ ብምጥንኻር ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ጎሊሑ ንኽስማዕ ተሳትፎኣ ኣጠናኺራ ትቕፅል ኣላ።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓኣ ምስ ኣህጉራዊ ረብሓ ብምትእስሳር ንሓባራዊ ረብሓ ኣፍሪካ ቆራፅ ምዃና ዘመላኽት እዩ።
ኢትዮጵያ ካብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ዲፕሎማስያዊ ግደ ብተወሳኺ ናብ ኣባላት ብሪክስ ምፅንባራ ብመሪሕነት መንግስቲ መደመር ዝተመዝገበ ካልእ ዓወት ዲፕሎማስያዊ ዓወት እዩ።
እዚ ኣባልነት፤ ኢትዮጵያ ምስ ኣባል ሃገራትዕ ድላት ምትሕብባር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ፋይናንስን ቴክኖሎጂን ዘስፍሕ እዩ።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ዝምድናኣ ኣብ ሓደ ማእከል ሓይሊ ጥራይ ከይተወሰነ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ንእትኽተሎ ኣንፈት በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ዘመላኽት እዩ።
ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ዝምድናኣ ምስ ኢኮኖሚያዊ ረብሓኣ ንምትእስሳር፣ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ፣ ወፃኢ ዕዳጋታት ንምስፋሕ፣ ዓቕሚ ቱሪዝምን ኢኮኖሚያዊ ዕድላትን ብምፍላጥ ብትኹረት እናሰርሐት ትርከብ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ፕሬዚዳንታት ፈረንሳይ፣ ብራዚልን ቱርክዬን ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተራት ሃገራት ህንዲን ጣልያንን ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎም ዕላዊ ዑደታት ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ብራኸ ዝሓዘት ምዃና ዘርኢ እዩ።
ብሃይለማርያም ተገኝ