ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ካቢኔ መንግስቲ ምእታዎም ምህዳር ፖለቲካ ምስፍሑ ዘረጋገፀ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ዝተዋፈሩ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ካቢኔ መንግስቲ ክኣትዉ ምግባሩ ፖለቲካዊ ምህዳር ምስፍሑ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማ ሚኒስትር ምስ ኦቢኤን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፤ ቅድሚ ለውጢ ኣብ ዝነበረ መንግስቲ ኣብ ቁፅሪ ህዝቢ ዝተመርኮሰ ፍትሓዊ ውክልና ህዝቢን ምክፍፋል ስልጣንን ኣይነበረን።
ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣርባዕተ ፓርቲታት ነፍሲ ወከፎም ትሽዓተ ኣፈፀምቲ ከምዝነበርዎም ብምፅራሕ፤ እዚ ድማ ንቁፅሪ ህዝቢ ዘየገናዝብን ፍትሓዊ ዘይኮነ ኣሰራርሓን ከምዝነበረ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ህወሓት ብሰንኪ ትሑት ቁፅሪ ህዝቢ ኣብ ፓርላማ ማዕረ ድምፂ ስለዘይነበሮ ውሳነታት ዝውስን ዝነበረ ብፓርቲ ስለዝነበረ እዩ ኢሎም።
ሕዚ ግና ውክልና ኣፈፀምቲ ብልፅግና ከምቁፅሪ ህዝቢ ኣፈላላይ ከምዘለዎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም።
እቲ ውክልና ንቁፅሪ ህዝቢ ዝምጥን ብፅሒት፣ ንተሳትፎን ኣበርክቶን ዝምጥን ክኸውን ከምዘለዎ ኣስገንዚቦም።
ኮይኑ ግና ቅድሚ ሕዚ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ማዕረ ድምፂ ዝነበሮም ኣካላት ብቐሊሉ ክቕበልዎ ከምዝኽብዶምን ሕጉሳት ክኾኑ ከምዘይፅበዩን ገሊፆም።
ብኻልእ ወገን ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ከምዝተገብረ ብምሕባር፤ ይኹን እምበር ገለ ካብኣቶም ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ ናብ ጫካ ብምእታው ትማሊ በደል ምስዝፈፀሙሎም ኣካላት ተፀንቢሮም ናብ ናይ ጥፍኣት ልኡኽቶ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ብሰላማዊ መገዲ ክንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓሳባቶም ብናፅነት ከቕርቡን ክገልፁን ዘኽእሎም ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጥረ ኣመልኪቶም።
ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ዝነጥፉ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ካቢኔ መንግስቲ ክካተቱ ምግባሩ፤ ፖለቲካዊ ምህዳር እናሰፍሐ ምምፅኡ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይ ኩሎም ዜጋታት ሓሳብ ብማዕረ ዝስመዐሉን ዘላቒ መፍትሒ ዝእለሸሉን ሃገራዊ ምኽክር እናተኻየደ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ብኣመለወርቅ ደምሰው