ዋልታ ድሕንነት ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንሰላምን ድሕነትን፣ ህልውናን ሉኣላውነትን ህዝቢታት ሓንቲ ሃገር መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ዘተኣማምንን ዘበናዊን ትካል ምክልኻል ምህላው እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ኣብ ታሪኹ ዶብን ሃገር ካብ ምሕላው ሓሊፉ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምዃኑ ብተግባር ዘረጋገፀ ህፃባዊ ሰራዊት እዩ።
ብመሰረት ሓሳብ መንግስቲ መደመር እቲ ሰራዊት ሓፈሻዊ ኣወዳድባኡን፣ ድልውነቱን፣ ዓቕሚ ውግኡን ብምዝማን፤፣ ሰላምን ድሕነትን ሃገር ብዘተኣማምን ኩነታት ዝሕሉ ጥንኩር ጋሻ ድሕንነት ኮይኑ ወፂኡ ኣሎ።
ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ወገናዊነት ናፃ ኮይኑ ሃገርን ህዝቢን ጥራሕ ዘገልግል ሞያዊ ትካል ንኽኸውን ከምኡ እውን ሞያዊ ብቕዓቱ ንኸዕቢ ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ።
ስግኣታት ድሕንነት ሃገር ኣቐዲምካ ንምክልኻል፣ ንዘመኑ ዝመጥን ዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን መሳርሒታት ውግእን ናይ ምዕጣቕ ስራሕ እውን ተኻይዱ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘበናዊ ነፈርቲ ውግእ፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ወይ ድማ ድሮናት፣ ከምኡ እውን ብቴክኖሎጂታት ራዳር ካብ ምውዳብ ሓሊፉ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ እውን እንደገና ክጣየሽ ክዋቐርን ተገይሩ እዩ።
ኮርፖሬሽን ኢንጅነሪንግን ኢንዱስትሪን ምክልኻል ሰራዊት ብምጥንኻር እቲ ሰራዊት ዘድልዩዎ ዘበናዊ ኣፅዋር ኲናት፣ ናይ ምጉዕዓዝ ቴክኖሎጂን እታወታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምፍራይን ናይ ምሕዳስን ዓቕሙ ኣማዕቢሉ እዩ።
ኣብ ዘበናዊት ዓለም ዝፍነዉ ሓደሽቲ ናይ ሳይበርን ቴክኖሎጂን ስግኣታት ንምምካት ዘኽእል ዓቕሚ ትካላት ኣብ ምህናፅ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ኣፅኒዑ ይቕፅል ኣሎ።
ሃገር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ከምኡ እውን ብተፈጥሮኣዊ ይኹን ሰብ ስራሕ ሓደጋታት ንህዝቢ ቀልጢፉ ሓገዝ ብምቕራብ፣ ህዝባዊ ባህሪኡን ልእኽቶኡን እናመስከረ ቀፂሉ ኣሎ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንውሽጣውን ደጋዊን ስግኣታት ብምምካት ዋሕስ ሉኣላዊነት ሃገር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ።
ብፍላይ ንሃገር ንምፍራስን ንምድኻምን ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊን ደጋዊን ስግኣታት ደህንነት ብምምካት፤ ሕብረት ህዝቢታትን ሓድነት ሃገርን ንምሕላውን ክቕፅል ንምግባር ዝኸፈሎ ዋጋ ህዝቢ ብዝለዓለ ክብሪን ምስጋናን ይሪኦ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኣምር መደመር ብዝተኻየዱ ሓፈሻዊ ትካላዊን ቴክኖሎጂካዊን ሪፎርታት ካብ ዝነበሮ ንላዕሊ ዝጠንከረ፣ ዘበናዊን ድሉው ዝኾነን ትካል ንምዃን በቒዑ።
ብመልካም ፈቃዱ