ብሓድሽ ኣረኣእያ ዝተቓነየ ዘበናዊነት ከተማታት ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ከተማነት ብግቡእ ንምምሕዳር፣ ከተማታትን ኣነባብራ ዜጋታትን ንምዝማን፣ ውፅኢታዊ ስትራተጂ ልምዓት ከተማ ኣብ ተግባር እናውዐለት ትርከብ።
እዚ ስራሕ ልምዓት ከተማታት፤ ከተማታት ካብ ፅባቐ ሓሊፉ ኣካል ናይ ዘላቒ ሃገራዊ ልምዓት ስትራተጂ ብምዃን ብልዑል ትኹረት እናተተግበረ ይርከብ።
ከተማታት ምስ ዓለም ለኸ ኣረኣእያ ዘበነዎት ከተማታት ብምጥዕዓም ኣብ መሰረተ ልምዓት ኣገልግሎት ህዝቢ፣ ልምዓት ኮሪደር፣ ልምዓት ወሰን ሩባታትን ሓምለዎት ቦታታትን ሰፊሕ ስራሕ ተኻይዱ እዩ።
ኣብ ልምዓት ኮሪደር ናይ ተሽከርከርቲ መንገድታት ካብ ምስፋሕ ብተወሳኺ ናይ እግረኛታትን ብሽክሌታን መገዲ፣ ከምኡ እውን ናይ ህዝቢ መዘናግዒ ቦታታት ብዝለዓለ ፅሬት ተሃኒፆም እዮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ንነበርቲ ምቹው ከተማን ንበፃሕቲን ሰሓብቲ ከተማታት ንምፍጣር ዝተትሓዘ ኣንፈት ዘርእዩ እዮም።
ቀንዲ መለክዒታት ዘበናዊ ከተማታት ድማ ሰባት ብምቾት ክንቀሳቐሱሉ፣ ክዘናግዑሉ፣ ክሰርሑሉን ክነብሩሉን ዝኽእሉ ምቹዋትን ጥዑይ ከባቢን ምፍጣር እዩ።
ካብ እንጦጦ ክሳብ ቀበና ዝተኻየደ ስራሕቲ ልምዓት ወሰን ሩባ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዓይኒ ዝስሕብ ሰፊሕ ስራሕ ልምዓት ወሰን ሩባታት ተኻይዶም እዮም።
እዚ ልምዓት ቀደም ኢሉ ንጎሓፍ፣ ሓደጋ ውሕጅን ፀግም ጥዕናን ዝተቓልዑ ዝነበሩ ወሰን ሩባታት ናብ ሓምለዋይ ቦታታት ብምልዋጥ ሓለዋ ከባቢን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ብሓባር ክመሓደሩን ክምዕብሉን ከምዝኽእሉ ዘርኢ ኣብነት ኮይኑ እዩ።
ዘመናዊ ከተማ ብፅቡቕ ምስሊ ጥራሕ ኣይትምዘንን፤ ብዝፈጠሮም ዕድላት ስራሕ፣ ብንግዳዊ ንጥፈታት፣ ብዝተቐላጠፈ ናይ ትራንስፖርት ምንቅስቓስን ንኢንቨስትመንት ብዝፈጠሮ ምቹው ኩነታትን እውን እዩ ዝምዘን።
በዚ መዳይ እዞም ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ሰፊሕ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር፣ ኣብ ምምዕባል ክእለትን ምስግጋር ፍልጠትን ዓብዪ ኣበርክቶ እናገበሩ ይርከቡ።
እቲ ልምዓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከተማታት እናተስፋሕፍሐ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ከተማታት ብንፅል ዝህነፁ ማእኸላት ልምዓት ካብ ምዃን ሓሊፎም ኣብ ዓውድታት ንግዲ፣ ቱሪዝም፣ ሎጂስቲክስ፣ ኢንዱስትሪን ኣገልግሎትን ብምትሕሓሓዝ ክዓዩ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ህንፀት ዘበናዊ ከተማታት ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ዝስሕብን ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት ዘጠናኽር መሰረት ልምዓት እዩ።
ዘላቒ፣ ሓምለዋይ፣ ተበፃሒን ንህዝቢ ምቹዋትን ከተማታት ንምፍጣር እናተኻየዱ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ናይ ሎሚ ፀገማት ካብ ምፍታሕ ሓሊፎም ንፅባሕ ኢትዮጵያ መሰረት ህንፀት ከተማታት ዘንብሩ ስትራተጂያዊ ኢንቨስትመንታት እዮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየዱ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝም፣ ንቱሪዝም ከተማ ዘነቓቕሑ ኮይኖም፤ ንኣብነት፣ ፓርክ ምሕዝነት ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ጥራሕ ክሳብ 1 ቢልዮን ብር ዝቐርብ ኣታዊ ኣምፂኡ እዩ።
እዞም ፕሮጀክትታት ድማ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ዕድላት ስራሕን ቁጠባዊ ተረባሕነትን እናፈጠሩ ይርከቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ ብፅቡቕ ኩነታት ዝተወጠኑ ናይ ህዝቢ መገልገሊ ቦታታት ንዕቤት ከተማነት ኣበርክቶ እናገበሩ ሰባት ብኸመይ ከራኸቡ ከምዝኽእሉ ዘረጋግፁ እዮም።
ኣብታ ከተማን ካልኦት ከተማታት እዛ ሃገርን ዝተሃነፁን እናተሃነፁ ዝርከቡን ሓደሽቲ ቦታታት ክብሪ ዝፈጥሩ፣ ዕድላት ዝኸፍቱን ወናንነት ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፁን ማእኸላት እዮም ኢሎም እዮም።
ብሃይለማርያም ተገኝ