Fana: At a Speed of Life!

ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ተስፋ ትተክል ከተማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓንቲ ከተማ ንእትምዘን ንመፃኢ ወለዶ እትገድፎ ዘላቒ ልምዓት፣ ብእትሕልዎ ተፈጥሮን ሎሚ እትተኽሎ ፈልሲን እዩ።

ኣዲስ ኣበባ እውን ኣብዚ ጉዕዞ ለውጢ ነበርታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሰፊሑ ብምስታፍ መሬታ ሓምላይ ንምሽፋን ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ንመፅለሊ፣ ፅባቐን ፍረን ዝኾኑ ፈልሲታት ብምትካል መልክዕ እታ ከተማ ቀስ ብቐስ ግን ኣዝዩ ውቁብ ብዝኾነ መገዲ ክትቅየር ገይሩዋ እዩ።

እዚ ጉዕዞ ድማ ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ ካብ 2 ነጥቢ 8 ሚእታዊ ናብ 24 ሚእታዊ ንምዕባይ ኣኽኢሉ።

ኣብዚ ከይዲ ትማሊ መእከቢ ጎሓፍ ዝነበሩ ቦታታት ሎሚ ብሓምለዋይ ተተኪኦም እንትረአዩ ትማሊ ብፀሓይ ዝቃፀሉ ቦታታት ሎሚ ፅላል ሃልዩዎም፣ ትማሊ ክሕሰብ ዘይከኣል ዝነበረ ፅባቐ ከተማ ድማ ሎሚ ኣካል ዕለታዊ ህይወት ነበርታ እናኾነ እንትመፅእ ዝረአ ለውጢ ብቁፅሪ ጥራሕ ዝግለፅ ከምዘይኮነ የርኢ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ብምትካል ሓምላይነት እታ ከተማ ካብ ፅባቐ ሓሊፉ ናብ ጉዳይ ፅሬት ኣየር፣ ጥዕና ከባቢ፣ መዘናግዒ ህዝቢ፣ ምንካይ ሙቐት ከተማ፣ ምሕላው ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲን ምምሕያሽ ፅሬትን ህይወት መፃኢ ወለዶን እናሰጋገሮ ይርከብ።

ብምዃኑ ናይ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ፈልሲ ብምትካል ጥራሕ እትወፅእ ከተማ ኣይኮነትን፤ ናይ ፅባሕ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ሎሚ ኣእዳዋ ንምህናፅ እትተግህ ከተማ እያ።‎

ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ቅድሚ መዓልቲታት ኣብ ሓደ ፀሓይ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፈልሲታት ምትካል ዝብል ጉዕዞ ተወሳኺ መልእኽቲ ቆራፅነታ እዩ፡፡‎

‎ሰብ ምስ ተፈጥሮ እናተዓረቐ ምስ ኣየር፣ ማይ፣ ሓመድን ተፈጥሮን ብሰላም ዝንበረላ ከተማ ኣብ ምፍጣር ትርከብ።‎

‎ኣዲስ ኣበባ መዲና ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ኣፍሪካ ምስ ዓለም እተራኽብ ከተማ እያ። ‎

‎ስለዝኾነ ድማ ፅባቐ፣ ንፅህና፣ ሓምለዋይነት፣ ምቾት መንሪን ኣቀራርባ ከተማን እታ ከተማ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ነባሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ጉዳይ ኢትዮጵያ እውን እዩ።‎

ኣዲስ ኣበባ ትተኽሎ ፈልሲ ቁፅሪ ጥራሕ ኣይኮንን፤ ዝተለወጠ ኣተሓሳስባ እውን እዩ። ሎሚ እንከናኸኖ ተኽሊ ፅባሕ ትውልዲ ዝዓርፈሉ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.