ሓምለዋይ ኣሰር ንመፍረያይነት ማንጎ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 9፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ሓለዋ ከባቢ ምስ ውሕስነት ምግቢን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ብምትእስሳር ልዑል ታሪኻዊ ዓወት እናመዝገበ ይርከብ።
እዚ መርሃ ግብሪ ካብ ምዕባይ ሽፋን ደኒ ብተወሳኺ፣ ንምግቢን ቁጠባዊ ረብሓን ዝውዕሉ ተኽሊታት ብስፍሓት ብምትካል ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ።
ካብዚኣቶም ድማ ልምዓት ማንጎ ሓደን ቀንዲን ኣንፈት ትኹረት ኮይኑ እናተተግበረ ይርከብ።
ሓምለዋይ ኣሰር ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ምዕራፉ፤ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሕግዙ ፈልሲታት ኣሕምልትን ፍረምረን ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝተኻየዱ ልምዓት ተፋሰስን ተኸላ ፈልሲታትን፣ ምጉሕጓሕ ሓመድ ምክልኻል፣ ማይ ከርሰ ምድሪ ኣብ ምምሕያሽን ሚዛን ስነ ምህዳር ምፍጣርን፣ ንልምዓት ማንጎ ዝምቹ ኩነታት ኣየርን ልሙዕ መሬትን ንኽፍጠር ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።
በቢዓመቱ ካብ ሞንጎ ዝትከሉ ብቢልዮናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ድማ ዝተመሓየሹ ዓይነታት ፈልሲ ማንጎ ስለዝተኻተቱ፣ ፍርያትን መፍረያይነትን ፍረምረ ብልዑል ደረጃ ንኽውስኽ ገይሮም እዮም።
ፈልሲ ማንጎ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብስፍሓት ምትካሉ፤ ንኣናእሽተይ ሓረስቶት ቀጥተኛ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብ ምፍልፋል ልዑል ግደ ተፃዊቱ እዩ።
ሓረስቶት ዝተመሓየሹ ዓሌታት ማንጎ ብምልማዕ ፅሬቱ ዝለዎ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ እቶቶም ከዕብዩ ዝኸኣሉ እንትኾኑ፤ እዚ ድማ ውሕስና ምግቢን ስርዓተ ምግቢን ስድራኦም ኣብ ምርግጋፅ ቁልፊ ግደ እናተፃወተ ይርከብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ጣብያታት መዳለዊ ፈልሲ ብምጥያሽ፣ ኣብ ክንክን፣ ምእካብ ፍርያት፣ ምዕሻግን ምትእስሳር ዕዳጋን ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ።
ብኻልእ መዳይ ዓወት እቲ መርሃ ግብሪ ንኩነታት ምልኣኽ ፍራምረ ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕያሽ ዓቢይ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ፅሬቶም ዝሓለዉ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ዝበቖሉ ፍርያት ማንጎ፣ ንጠለብ ውሽጢ ሃገር ካብ ምውዓሎም ብተወሳኺ ናብ ጅቡቲን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ናብ ማእኸላይ ምብራቕን ከምኡ እውን ናብ ዕዳጋታት ኣውሮፓን ምልኣኽ ተጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ድማ ሃገር ካብ ፍርያት ሕርሻ እትረኽቦ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይን ዘፈር ምልኣኽ ማንጎ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ንምግባርን ዓቢይ ሓገዝ እናገበረ ይርከብ።
ብኣብረሃም ኣበራ