Fana: At a Speed of Life!

ስታዲየም ባሕሪ ዳር ንዓለም ለኸ ውድድራት ንምትእንጋድ ዘኽእሎ ፍቓድ ካብ ካፍ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስታዲየም ባሕሪ ዳር ብኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ዝተቐመጡ መለክዒታት ብምምላእ ዓለም ለኸ ውድድራት ንኸተኣናግድ ፍቓድ ረኺቡ።

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ክልል ኣምሓራ ጋሻው ተቀባ ንፋና ዲጂታል ከም ዝገለፁዎ፥ መለክዒታት ካፍ ብምኽታል እቲ ስታዲየም ንዓለም ለኸ ውድድራት ብቑዕ ክኸውን ብዙሓት ስራሕቲ ክካየዱ ፀኒሖም።

ብፍላይ ድሕነት መዕረፊ ክፍልታት ተፃወትቲ፣ ድሕነት ቦታታት ፍሉያት ኣጋይሽ (ቪኣይፒ) ከምኡውን ፅሬትን ጥሬት ሜዳን ብልዑል ትኹረት ዝተሰርሐሎም ተግባራት ምዃኖም ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቅፅል ወርሒ መስከረም ምስ ሴኔጋል ትገብሮ መርሃ ግብሪ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣብቲ ስታዲየም ከም ዝካየድ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ተወሰኽቲ መለክዒታት ፊፋን ካፍን ንምምላእ ዝካየዱ ስራሕቲ ብዝበለፀ ከምዝጠናኸሩ ገሊፆም።

እቲ ስታዲየም ዝተሓተ መለክዒታት ካፍ ብምምላእ ዝረኸቦ ፍቓድ ንዕቤት ስፖርትን ንዕቤት ቱሪዝምን እቲ ከባቢ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ኣመልኪቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.